Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዓበይቲ ዜናታት ሳይበር ፓወር ትግራይ

ዓበይቲ ዜናታት

ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሌላንድ

ሶማሌላንድን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ናይ መወዳእታ ስምምዕነት ክፈራረሙ እዮም ተባሂሉ።

እቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንኢትዮጵያ ድማ ንሓይሊ ባሕሪ ምስረታ ወታሃደራዊ ጣቢያ ብክራይ መልክዕ ዝህብ ስምምዕነት፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክፍፀም ምዃኑ ሚንስትሪ ወፃኢ ሶማሊላንድ ኢሳ ካይድ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ንሓይሊ ባሕሪ ወታሃደራዊ ጣቢያ ክትካረዮም እትኽእል ሰለስተ ኣማረፅቲ ቦታታት ከምዝተፈለዩ ዝገለፁ ኾይኑ ሰበስልጣናት ፣ መራሕቲ ተቃወምቲ ውድባት ከምኡ ድማ ዲፕሎማሰኛታት ሶማሌላንድ ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕሬዝዳንት ሙሴ ቢሒ አብዲ ዝተፈራረምዎ “ናይ ትሕብብር” ስምምዕነት ኣብ መፃኢ እዋናት ናብ ተግባር ከምዝሸጋገር ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ስምምዕ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ 22 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም እንትፍረም ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ልዝብ ከምዝፍፀም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ብዓል ትንሳኤ ተሓጋጊዝናን ዘለና ተኻፊልና ክነሕልፎ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ዘለዎ ንዘይብሉ ምሕጋዝ ካብቶም ክብርታት ተጋሩ ሓደ ብምዃኑ ባህሊ ምትሕግጋዝ ክነጎልብት ከምዝግባ ኣብ መድረኽ DW ተገሊፁ።

ምስ ተፈናቐልቲ ወገናትናን በብኸባቢና ዘለው ፅጉማት ክፋላት ማሕበረሰብን ዘለና ሒዝና ከነብዕሎ ይግባእ ክብሉ ተሳተፍቲ መድረኽ DW ገሊፆም ።

ኣብ እዋን ፀበባ ተሓጋጊዝና ከምዘሕለፍናዮ ሕዝ’ውን ፀገማትና ክሳብ ዝፍትሑ ሕብረትን ሓድነትን ፈጢርና ከም ማሕበረሰብ ብዓል ትንሳኤ ተሓጋጊዝና ክነሕልፎ ይግባእ ክብሉ እውን እቶም ተሳተፍቲ ገሊፆም ።

ንታሓጋገዝ

አርሚ 33 ብጀነራል ሸሪፎ ወልደጀወርግሰ እትምራሕ ካብ ከብዶም ቀኒሶም ንህዝቦም ሓገዝ ይቅፅሉ አለዉ፣ ፊኖ ንህዝቦም ሂቦም።

1 ንዝተፀገሙ ወገናት ዝግበር ሓገዝ ዕማም ሓደ እዋን ጥራሕ ዘይኮነስ ተግባር ኩሉ ግዜ ኮይኑ ክቕፅል ከምዝባእ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ገሊፆም።

ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ነዚ ዝገለፁ ሃገረስብከት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ካብ ግዱሳት ወገናት ዘተኣኻኸቦ 43 ኩንታል እክሊ ንመውዓሊ በዓል ትንሳኤ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝርከቡ 240 ተመዛበልትን ዝተፀገሙ ወገናትን ብሓገዝ ኣብዘከፋፈለሉ እዋን እዩ።

2 ብምኽንያት ዓመት በዓልን ካልኦትን ኣብ ዓውደ መጓዓዝያ ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ቅድመ ምድላዋት ወጊኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ መራኸብን መጓዓዝያን ትግራይ ሓቢሩ።

ብፍላይ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ካብን ናብን ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ተገልገልቲ ምትእጉጓል ከየጋጥም ምስ ፖሊስ ትራፊክ ቁፅፅር ከምዝገብርን ኣሽከርከርቲ እውን ሕግን ደንብን ኣኽቢሮም ንክሰርሑን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

3 ድሕሪ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ትገራይ ካብ ዝተርኣየ ውራ መሬት እቲ 80 ሚኢታዊ ናብ ባንኪ መሬት ከምዝተመለሰ ቢሮ መሬትን መኣድንን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ወሰና ወሰን ዓበይቲ ከተማታትን ዕሸል ከተማታትን ሐዚ እውን ዝረአ ዘሎ ውራ መሬት ደው ክብል ብፍላጥን ብዘይ ፍላጥን ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቅጠቡን ድማ እቲ ቢሮ ኣተሓሳሳቡ ኣሎ።

4 ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበርን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዘለውዎ ከርፋሕ መከራ ወፂኦም ናብ መረበቶም ኣብ ቀረባ እዋን ክምለሱ ተስፋ ከምዘለዎም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም።

ሐዚ እውን ፀገማቶም ዝፍታሕ እቲ ውዕሊ ብምሉእነት እንትትግበር ምኳኑ ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት መንግስቲ ፌደራል ነዚ ብምትግባር ናብ መረበቶም ክምልሶም ሓቲቶም።

5 ንሕሉፋት ስልጥነታትና ንድሕሪት ዝመልሱ ድሕራት ኣተሓሳስባታት ብምዉጋድ ሓደሽቲ ምህዞታት ጥበብ ብምውሳኽን ጥበብን ኢደ ጥበበኛታትን ንምጥንኻር ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ማሕበር ነዚ ዝገለፀ ቀዳማይ ጉባኤ ምስረታ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *