ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) መበል 49 ዓመት ዋዕላኣ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ እናተኻየደ እዩ ።
ኣካል እቲ ኣብ ዴንቨር ኮሎራዶ ዝሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ድማ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናተሳለጡ ስፓርታዊ ውድድር ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ ።
እቲ ፌስቲቫል ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዝብል መራሕ ሓሳብ ዝሳለጥ ዘሎ ኾይኑ ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ 2023 ብዝተፈላለዩ ምድላው ክሳብ 23 ሓምለ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ክቕፅል ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዋዕላ ድማ ብሰንኪ ጀኖሳይዳውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ናብ ተሓታትነት ክሰጋገር፣ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀሞ ጀኖሳይድ ፍትሒ ክረክብን እናካየዶ ዝፀንሐ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ንክቕፅልን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዳያስፖራ ትግራይ ክህልዎ ዝግባእ ተሳትፎ ኣድሂቡ ከምዝዘተየ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።
