Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዑደት ጉጅለ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ !

ኣተሓባባሪ ጉጅለ ልኡኽ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ህፀፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ( ኦቻ) ምስ ፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዙርያ ተመዛበልቲ ዉሽጢ ዓድን ዘለዉሉ ኩነታትን ኣድሂቦም ዘትዮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ብተመዛበልቲ ምትሓዞም ስዒቡ ከቢድ ፈተና ኮይኑ ከምዝፀነሐን ይቕፅል ከምዘሎን ኣብሪሆም።

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራፁ እውን ካልእ ተወሳኪ ፀገም ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከብ ገሊፆም።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ )ብግዲኦም ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገም ከምዝተረድኡን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር እቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ከምዝገብር ቃል ኣትዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *