ተወከልቲ ቢሮ ስደተኛታትን ተመዛብልቲን ኣመሪካን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ከተማ መቐለ 70 ካሬን ኩሓን ዝርከቡ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተረኺቦምን ተመዛብልቲ ኣዘራሪቦም፡፡
እቲ ዑደት ድሌት ተመዛብልቲ ብምድማፅ ብዝበለፀ መንገዲ ንምሕጋዝ ከምዘጠቕም ኤንባሲ ኤሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡
ተወከልቲ እቶም ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ክልል ዓፋር በራሕለ ተረኺቦም እውን ንተመዛበልቲ ከምዘዘራረቡ እቲ ኤንባሲ ኣብ ኣድራሻ ትዊተር ኣፍሊጡ፡፡
