Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዑደት ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ትግራይ

ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓለሰ ሃገሮም ጣልያን ንዕቀባን ምጥንኻርን ስነ-ጥንታዊ ሓድግታት ኣኽሱም 2 ሚልዮን ዩሮ ከም እትድግፍ ኣፍሊጦም።

ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓለሰ ነዚ ዝሓበሩ 17/9/2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ታሪኻዉት ከተማ ኣኽሱምን ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዩ።

እቶም ኣምባሳደር ፈለማ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዑደት ዝገበሩ እንትኾን ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ኩነታት እቶም ተመዛበልቲ ንምዕዛብን ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ኲናት ብመንፅር ሰብኣዊ ሓገዝን ዳግመ ህንፀትን ዘሎ ጠለባት ንምግምጋምን ምዃኑ ኤምባሲ ጣልያን ኣብ ኢእዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ፓለሰ ቀፂሎም ድማ ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ዑደት ዘካየዱ እንትኾኑ ሃገሮም ጣልያን ንዕቃባን ምጥንኻርን ስነ-ጥንታዊ ሓድግታት ኣኽሱም 2 ሚልዮን ዩሮ ከም እትድግፍ ኣፍሊጦም።




ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *