Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውጥረት ቀይሕ ባሕሪ

ኢራን ኣልቦርዝ ዲስትሮየር ዝተብሃለት መርከብ ውግእ ናብ መፃብቦ ባብኤል መንደብ ምውፋራ ስዒቡ፤ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓዱሽ ውጥረት ከም ዘንፀላለዎ ቡሉምበርግ ፀብፂቡ፡፡

ብኢራን ይድገፉ ዝተብሃሉ ዕጡቓት ሑቲ ዘዋፈርወን 3 ጀላቡ ቅድሚ 4 መዓልቲታት ብሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ምጥሓለን ስዒቡ ተዋፊራ ዘላ ወታደራዊ መርከብ ኢራን፤ ኣብ ምንቅስቓስ ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ተፈጢሩ ንዝፀንሐ ስግኣት ዘጋድድ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ምውፋር ወታደራዊ መርከብ ኢራን ስዒቡ ወታደራዊ መራሒ ሑቲ ያሕያ ሳሪ፤ መራኽበን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዘዋፈራ ሃገራትን ትካላትን መጠንቀቕታ ሓዘል መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እንትኾን ንግዳዊ ምንቅስቓስ እቲ ዞባ ናብ ካሊእ ውጥረት ከይኣቱ ተሰጊኡ ኣሎ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ ንግዳዊ መራኽብ ማርስክ ዘቪ ስቸሪበር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፤ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ይጥቀማ ካብ ዝነበራ ንግዳዊ መራኽብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 0.05 ሚኢታዊ ምውራዱ ዝገለፀ ኮይኑ፤ መራኽቡ ንዘይተወሰነ እዋን ምንቅስቓስ ደው ከብላ ምግባሩ ጠቒሱ፡፡

መራኽብና ስረሐን ደው ከብላ ዝገበርናሉ ምኽንያት መራኽብና ካበይ ከም ዝብገስ ብዘይንፈልጦ ሚሳይላት ከይጥቀዓና ስለ እንሰግእ እዩ፡፡ ውሕስነት ከይተሰመዐካ ምስራሕ ድማ ውፅኢቱ ዝሓመቐ እዩ፡፡ መስመር ጉዕዞ ቀይርና ብደቡብን ምዕራብን ኣፍሪካ ክንጥቀም እንተደሊና ድማ፤ ሰሙናት ዝውድእ ጉዕዞ እዩ፡፡ እዙይ ከም ትካል ኣየዋፅአናን ዝበለ ዘቪ ስቸሪበር፤ ንግዚኡ ደው ምባል ብሕታዊ ሕሪያ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጥምረት፤ እቲ ከባቢ ውሑስ ክሳብ ዝገብሮ ምንቅስቓሱ ደው ከም ዘበለ ዝጠቐሰ ንግዳዊ ትካል መራኽብ ማርስክ፤ ኣብ ዋጋ ነዳዲን ካልኦት አቑሑትን ክህልዎ ዝኽእል ፅልዋ ርኡይ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡

ኩነታት ዕዳጋ ዓለም ኣመልኪቱ ፀብፃባት ዘቕረበ ብሉምበርግ፤ ናብ ማእኸላት ዕዳጋ ለንደንን ኒውዮርክን ዝቐርቡ ኣቑሑት ምንካዮምን፤ ዋጋ ምውሳኾምን ዕላዊ ገይሩ፡፡ ዋጋ ዘይተፃረየ ነዳዲ ኣብ ሓደ በርሚል ካብ 1-2 ዶላር ከም ዝወሰኸ ዝጠቐሰ ብሉምበርግ፤ ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተዘይተስተኻኺሉ፤ ቀፃሊ ስግኣት ከም ዘሎ ኣመላኺቱ፡፡

ፀጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ምብፅሑ ዝገለፀ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኩነታት ክመሓየሽ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ እንተዘይተመሓይሹ ብደረጃ ዓለም ዋጋ ኣቑሑት ክውስኽ ይክእል እዩ ዝበለ ቤት ምኽሪ ፀጥታ፤ ህፁፅ ዘተ ከም ዘድሊ ኣመላኺቱ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *