Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውድድር ጉያ ብምኽንያት በዓል መስቀል

በዓል መሰቀል ዓጋመ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ዓብይ ጉያ ተሳሊጡ፡፡

በዓል መሰቀል ዓጋመ ብዝተፈላለየ ምድላዋት እናቐፀለ እንትኸውን ሎማዓንቲ ድማ ብኣሰናዳእነት ማሕበር ልምዓት ዓጋመን ቃና ኢቨንትን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካብ ማእኸል ፒያሳ ክሳብ ሞቢል 4 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ በፂሕኻ መልሲ ውድድር ጉያ ተሳሊጡ፡፡

እቲ ውድድር ጉያ ብኣትሌት የማነ ፀጋይን ወዲ ነብስሄር ኣትሌት ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር ዝኾነ ቢንያም ሙሩፅን ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ብሓባር ብምዃን ኣጀሚረምዎ፡፡

እቲ ዝተኻየደ ውድድር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት ዘሳተፈ ኮይኑ ብደቂ ተባዕትዮ በሪሁ ባይራይ፣ረዳኢ በሪሁን ኣሸናፊ ገ/ማርያምን ካብ ቀዳማይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓወቲ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌታት ተኽለ ካሕሳይ፣ ማህደር መለስን ዮርዳኖስ ገብረዝጋብሄርን ካብ 1ይ-3ይ ደረጃ ብምውፃእ ተዓወትቲ ኮይነን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *