Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውድብ ጥዕና ዓለም ኮቪድ-19 ዓለም ለኸ ስግኣት ጥዕና ምዃኑ ከምዘብቀዐ ዕላዊ ገይሩ

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶ/ር ቴድሮስ አድሓኖም ቅድሚ ሕዚ ኮቪድ-19 ስግኣት ዓለምና እዩ ኢሎም ዕላዊ ዝገበርዎ ስግኣት ከምዘብቀዐ ኣፍሊጦም።

እቲ ትካል ከምዘፍለጦ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ብምኽንያት እቲ ሕማም ኣብ ሰሙን ካብ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ንሕልፈት ይቃልዑ ዝነበረ እንትኾን ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ምያዝያ ኣብ ወርሒ ናብ 3,500 ኣንቆልቂሉ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ከምዝበልዎ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ብውሕዱ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ፀብፂቡ እዩ።

ኾይኑ ግና ትኽክለኛ ቁፅሪ መወቲ ካብቲ ዝተጠቐሰ ቁፅሪ ንላዕሊ ሰለስተ ዕፅፊ ማለት እውን ናብ ከባቢ 20 ሚሊዮን ዝፅጋዕ ከይኾነ ከምዘይተርፍ ዶ/ር ቴድሮስ ኣፍሊጦም።

እቲ ቫይረስ ቀንዲ ስግኣት ዓለም ኮይኑ ክቕፅል ከምዝኽእል እውን ኣጠንቂቖም። “ንመበል 15 ግዘ ህፁፅ ኣኼብኡ ዘካየደ እቲ ትካል እቲ ሕማም ዓለም ለኸ ስግኣት ጥዕና ሕብረተሰብ ምኻኑ ከምዘብቀዐ ዕላዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። “ብምዃኑ ምስ ዓብዪ ተስፋ ኮቪድ-19 ህፁፅ ስግኣት ጥዕና ዓለም ምኻኑ ምብቅኡ ዕላዊ ገይረ ኣለኹ” ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ።

ምንጪ፡ WHO

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *