Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ከተማ መቐለ ሓዱሽ ቤት ፅሕፈት ኸፊቱ

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝኸፈቶ ሓዱሽ ቤት ፅሕፈቱ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ዝተፈላለዩ ዓይነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንቢሮ ጥዕና ትግራይ አረክቡ።

ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም አብ ኢትዮጵያ ዶ/ር ድላሚኒን አብ ውድብ ጥዕና ዓለም ማናጀር ሰሜን ኢትዮጵያ ማርጆሬ ሙፓንደርን እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ዓይነት ቀረብ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ድጋፍ ከምዝገበረ ብምግላፅ አብ ትግራይ ዘሎ ፀገም አብ ምቅላል በቐፃልነት ከምዝሰርሕ ገሊፀን።

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር አማኑኤል ሃይለ ብወገኖም ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተገበረ ድጋፍ ቀረብ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ብምምስጋን አብ ትግራይ ዘሎ ሕፅረት መድሓኒት ሰፊሕ ብምዃኑ ብርክት ዝበሉ ወገናት አብ ፀገም ከምዝርከቡን ነዚ አብ ምፍታሕ እቲ ትካል ድጋፉ ክቕፅል ፀውዖም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ትግራይ ዝወገኖም ስራሕቲ ቀሪቦም።

እቲ ትካል ቀፀልቲ መደባት ስራሕቱ ንምስላጥ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ዘተ አሳልጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *