Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክጣየሽ ኣብ ከይዲ ዝርከብ ኣማኻሪ ካውንስል ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።

ኣቦወንበር ሳወት ኣይተ ኣሉላ ሃይሉን ሓላፊ ክፍሊ ሕጊን ስነመንግስትን ሳወት ኣይተ የማነ ካሳ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ 2016 ዓ/ም 9 ውድባትን ሲቪክ ማሕበራት ዝተስማዕመዓሉ ግዚያዊ ቤት ምኽሪ ንምጥያሽ ዝቐረበ ሰነድ ስምምዕነት ብምግዳፍ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኮኒኖም።

እቲ ክጣየሽ ተደልዩ ዘሎ ኣማኻሪ ካውንስል ካብ ምምኻር ሓሊፉ ክውስን፣ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብር ዘይክእል “ምስለነ” ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር እዩ ክብሉ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ገሊፆም።

ተግባርን ሓላፍነትን ከምኡውን ትካላዊ ቅርፂ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝርዝር ዘቕረቡ ኣይተ የማነ ካሳ ብወገኖም፣ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ፖለቲካ ውድባት ናይ መንግስቲ ኣማኸርቲ ክኾና፣ ስርዓት መድብለ ፓርቲ ከይዕንብብን መፃኢ ተስፋና ንምቑፃይን ዝተገበረ ሽርሒ እዩ ኢሎም።

ኣይተ የማነ ወሲኺም፣ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሕመቑ ንምሕባእን ብስራሕ ከረጋግፆ ዘይከኣለ ቅቡልነት ንምርግጋፅ ዝኸዶን መዓርነት ውድባት ዘየተኣናግድ ንሓደ ውድብ ጎባጣይ ዕድል ዘመቻቸወን እዩ ብምባል ኣትሪሮም ኮኒኖም እዮም።

ትካላዊ ቅርፂ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝምልከት እውን ኣካብን ምኽትል ኣካብን ብፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣቕራብነት ዝሽወሙ ምኻኖም፣ ፃንሒት ዕድመ እቲ ካውንስ ድማ ብተበግሶ እቲ ፕሬዚዳንት ኣብ ዝኾነ እዋን ክብተን ይኽእል ተባሂሉ ምንፃሩ ምስሉይ መሕብኢ በዓቲ ከም ምጥያሽ ምዃኑ ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ክነስዕብ ኢና

TMH – 14 ጥሪ 2017 ዓ/ም (መቐለ)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *