ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ፣ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ዘፈር ምውዳብ ህዝብን ብፃይ ተወልደ ገብረፃድቃን ንጋዜጣ ወይን ካብ ዝሃቦ ቃለመሕትት
ውድብ ህወሓት ኣብ መትከላዊ ቃልሲ ፀኒዑ ንባዕሉ ብምድሓን ንህዝቢ ትግራይ ዘድሕን ውድብ ንክኸውን ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ጀሚሩ ካድረ፣ ኣባልን ህዝብን ንቕድሚቱ ኣብዝመፅእ ዘሎ ጉባኤ፣ ልዑል ብፅሒቱ ከወፊ ከምዘለዎ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ሓላፊ ዘፈር ውድብ ህወሓትን ተጋዳላይ ተወልደ ገብረፃድቃን ገሊፁ።
ኣብ ህልው ኩነታትን ከይዲ ቅድመ ምድላው መበል 14 ጉባኤ ውድብ ህወሓት ኣመልኪቱ ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጉባኤን ጋዜጣ ወይን ቃለ መሕትት ዘካየደ ተጋዳላይ ተወልደ፣ ውድብ ህወሓት በቢምዕራፉ ንዘጋጥምዎ ፀገማት ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ብምክያድ ዓርሱ እናለወጠን ዝለዓለ ዝላ እናመዝገበን ዝመፀ ውድብ ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር ሐዚ ድማ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ፈተና ኣጋጢምዎ ናብ በዓል ዋንኡ ወሪዱ መድረኻትን ገምጋማትን ፅርየት እናካየደ ምፅንሑ ኣገንዚቡ።
ነቲ ዘጋጠመ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝወለዶ ሓደጋ ብቑርፀኝነት ብምምካት ውድብ ህወሓት ንባዕሉ ድሒኑ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኣተዎ ከቢድ ሓደጋ ንኸድሕን እቲ ኣመራርሓ፣ ኣባል ካድረን ሓፋሽ ህዝብን በቢብርኩ ብፅሒቱ ከልዕልን ግድኡ ክፍፅምን ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ገምጋማት ምክያዶም ዝጠቐሰ ተጋዳላይ ተወልደ፤ በቢመድረኹ ኣብ ዝተኻየዱ ገምጋማትን ነቐፌታታትን ድማ እቲ ካድረን ኣባል ውድብ ነቶም ዘጋጠምዎ ፀገማት ብርኪ ሓደገኦምን ከይዲ ኣፈታትሐኦምን ነቲ ውድብ ግንዛበ ዘጨበጠሉ ኩነታት ከምዝፈጠረ ሓቢሩ።
ተጋዳላይ ተወልደ፣ “ውድብ ህወሓት ንምድሓን ዝተኻየዱ መድረኻት እንታይ ውፅኢት ኣምፂኦም?” ብምባል ንዘቕረብናሉ ሕቶ እንትምልስ፤ ፈለማ ኣብቶም ዝተኻየዱ መድረኻትን ገምጋማት ክርከብ ዝግበኦ ኩሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ኣመራርሓ፣ ኣባል ካድረን ልዕሊ 96 ምኢታዊ ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ፣ እቲ ዝተረፈ እውን ቐፀልቲ መድረኻት ብምክያድ ክማላእ ከምዝተገበረ ኣረዲኡ። መድረኻት ፅርየት በዚ ብርኪ እዚ ብምክያዱ ድማ ብፍላይ እቲ ኣባል ነቲ መድረኽ ብሃንቀውታ ይፅበዮ ብምንባሩ ከምትፅቢቱ ውድብ ህወሓት ዘጋጠሞ ከቢድ ሓደጋን ኣብቲ ህዝቢ ከምፀኦ ዝኽእል ሳዕቤንን ተረዲኡ፤ ፅርየት ዘለዎ ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእል ምችው ባይታ ከምዝተፈጠረ ገሊፁ።
“እቲ ካድረ ብውድብ ዝቐረበሉ ሰነድ ጥራሕ ምርኣይ ዘይኮነስ ነቲ ዝቐረበሉ ሰነድ እናዕሞቐ፣ ባህሪ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተፈጠረ ሕመቕ ብምልላይ ነፂሩ ክወፅእ ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ነይርዎ፤” ዝበለ ተጋዳላይ ተወልደ ነቶም ዝተቐመጡ ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ቃልሲ ውሽጢ ውድብን ምንቅስቓስ ሓፋሽን ኣተኣሳሲርካ ምኻድ ከምዘድሊ እዚ ንምትግባር ድማ መደብ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም ዝተኻየዱ መድረኻት እቲ መሪሕነት ተሓታትነት ዘይብሉ ከምድላዩ ኣስተርሕዩ ዝኸደሉ ኩነታት ከይፍጠር ኣብ ረመፅን ውዑይ ቃልሲን ክኣቱ ንምግባር ካድረን ኣባልን ዝነበሮ ልዑል ግደ ዘብረሀ ተጋዳላይ ተወልደ፣ ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ባህጊ ህዝብን ኣባል ውድብን ካድረን ህወሓት ዝኾነ ታሪኻዊ ጉባኤ ድሕነት ንምክያድ ዘኽእልን ንቕድሚት ዝወስድን ጥጡሕ ባይታ ይፍጠር ምህላው እውን ኣገንዚቡ።
መበል 14 ጉባኤ ብእዋኑን ብፅሬትን ምክያድ ካብቶም ዓበይትን ወሰንትን መደባት እቲ ሓደን ቀንድን ምዃኑ ዘመላኸተ ተጋዳላይ ተወልደ፣ ቅድሚ ጉባኤ ምክያዱ ማእኸላይኮማንድ፣ ማእኸላይ ኮሚቴን ካድረን ዝሳተፍሉ ቐፃሊ መድረኽ ከምዝካየድ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ እቲ ጉባኤ ብእዋኑን ብፅርየትን ንምክያድ ዝተጣየሸ ኣሰናዳዊት ሽማግለ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ እውን ብዝሓዞ ትልሚ መሰረት ብብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ፣ ኣባልን ካድረን ዝመያየጠሉ ኣጀንዳ ምዝርጋሕን ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ጉባኤተኛታት መሪፅካ ናብ ጉባኤ ንምስግጋር ዘኽእሉ ቀፀልቲ መደባትን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ተጋዳላይ ተወልደ፣ መበል 14 ጉባኤ ብእዋኑ ንምክያድ ድሕሪ ገምጋምን ምንቕቓፍን ብመንፅር እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ናህሪ ኣብ ምኻድ “ምዝሕሓል ይረኣሎ” ዝብሉ ርኢቶታት ህዝቢ ከምዘለዉ ንዘቕረብናሉ ሕቶ እንትምልስ፤ እቲ ኩነታት ምዝሕሓል ዘይኮነስ ብብርኪ ማእኸላይ ኮማንድ፣ ማእኸላይ ኮሚቴን ካድረን ዝካየዱ ቐፀልቲ መድረኻት ብምህላው ነዚ ንምምችቻው ዝተፈጠረ ምዝንጋዕ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። እዚ ኮይኑ “ኣባልናን ህዝብናን እቲ ጉባኤ ቐልጢፉ ክካየደሉ ካብ ዘለዎ ልዑል ባህጊ ዛጊድ ብዘይምክያዱ ዝተፈጠረ ስግኣት ግቡእ እዩ” ኢሉ። እዚ ድማ እቲ ኣባል ይኹን ህዝቢ ትግራይ ውድቡ ድሒኑ ቀልጢፉ ጉባኤ ተኻይዱ ዝተመዓራረየ መሪሕነትን ምሕደራን ንክህልዎ ካብ ዘለዎ ዝለዓለ ባህጊ ዝብገስ ጥዕና ዘለዎ ስግኣት ምዃኑ ግልፂ ገይሩ።
ኣብ ውሽጢ ውድብ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመርኮሰ ኩለመዳያዊ ለውጢ (ሪፎርም) ዘምፅእ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ እምነት ህወሓት ምዃኑ ዝገለፀ ተጋዳላይ ተወልደ ነዚ ንምግባር ቅድሚ ሐዚ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክጠናኸሩ ኣለዎም አሉ እዚ ንምግባር ውድብ ህወሓት ኣብ ሕገ ደንቡ፣ ፕሮግራሙ፣ መስመሩ ፖሊሲኡ ምትዕርራይ ንምግባር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኣባላት ውድብ ህወሓት ብዝኾኑን ካብ ኣባላት ወፃእን ኮሚቴታት ብምጥያሽ ተኻይዶም ዝነበሩ መፅናዕትታት ግን ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ተኸፋፊሉ ምስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተፈጠረ ፀገም ዘይተርኣዩ ውፅኢታት እቲ መፅናዕቲ ክረኣዩ ትፅቢት ከምዘሎ ወሲኹ ገሊፁ።
“ነቶም ዝተኻየዱ መፅናዕትታት ተግባራዊ ንምግባር ብገምጋምን ፅሬትን ምሕላፍ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን” ዝበለ ተጋዳላይ ተወልደ፣ ውድብ ህወሓት ኣብ መስመሩ፣ ፕሮግራማቱ፣ ፖሊሱኡን ሕገ-ደንብታቱን ፈቲሹ ምትዕርራይ ክግበር ከምዘለዎ ኣገንዚቡ። እዚ ተግባራዊ ዝኸውን ድሕሪ ጉባኤ እቲ ዝተመረፀ ሓዱሽ ማእኸላይ ኮሚቴ ነቲ መፅናዕቲ ኣፃፊፉ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ዛዚሙ ህፁፅ ጉባኤ ፀዊዑ ዘፅድቐሉ ኩነታት ክፍጠርን በዚ ኣቢሉ ናብ ዘየቋርፅ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ክኣቱን እንትግበር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ካብዚ ወፃኢ ብሽም ሪፎርም ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ኣግባብነት ከምዘይብሎም ድሕሪ ምግላፅ “ኣፍቲ ውድብ ሪፎርም ናይ ምክያድ ሓላፍነት ዘለዎ ህወሓት ባዕሉ ጥራሕ ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ፤” ኢሉ።
ተጋዳላይ ተወልደ ኣብ መወዳእታ፤ ኣባልን ሓፋሽ ህዝብን ዝለዓለ ትፅቢት ዝገበረሉ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ብልዑል ዓወት ንምክያድ ዝለዓለ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዝሓትት ብምዃኑ ኣባላት ውድብ ሎሚ እውን ከም ቀደሞም፣ በቢከባቢኦም ወፈያታት የካይዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ወፈያታት ንስምረት ጉባኤ ህወሓት ብዘለዎም ረብሓ ተጠናኺሮም ክቕፅሉን እቲ ኣባል ውድብን ህዝብን ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ብበለካ ለኸዐካ ወረታት ከይተደናገረ ነቲ ጉባኤ ንምዕዋት ኣብ ገንዘባዊ ደገፍ፣ ሓለዋ ፀጥታ ከባቢኡን ካልኦት ተወሰኽቲ ንጥፈታትን ብፅሒቱ ከወፊ ይግባእ ክብል ፀዊዑ።
ድሕሪ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ምክያድ መሰረታዊ ምትዕርራይ ብምግባር መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅኡ ስራሕቲ ብምስራሕ፣ ውድብ ህወሓት ንመድረኻዊ ተልእኽኡ ብምብቃዕ ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ ንምምላስ ዘኽእል ቁመና ክህልዎ ቐፃሊ ቃልሲ ዝሓትት ከምዝኾነ ተጋዳላይ ተወልደ ወሲኹ ገሊፁ።
መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ እንተነዊሑ ድማ ኣብ መፈለምታ ሰሙን ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ/ም ክካየድ እዩ፤ ዝብል ትልሚ እንተነበረ እውን ቅድሚ እቲ ጉባኤ ክካየዱ ዝግበኦም መድረኻት ብምህላዎም ግዚኡ ክሳብ ዘይተወሰነ ግዜ ከምዝተናውሐን ኣብ ቀረባ ዕላዊ ከምዝግበርን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
