ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ካብ ዕለት 17-18/02/2016 ኣ/ግ መስራቲ ውድባዊ ጉባኤኡ ብድምቀት ከምዘካየደ ዝፍለጥ ኮይኑ ብዙሓት ፈተናታት ብጥበብ እናሓለፈ ኩሎም ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት ብምምላእ 20 ጥሪ 2016 ዓ/ም ካብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሙሉእ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ኣሎ።
ኩልኹም ኣመራርሓ ፣ ኣባላትን ደገፍትን ባይቶና ፤ ውድብና ናብዚ ብርኪ ንኽበፅሕ ንዘካየድኩምዎ ቃልሲ ምስጋናና እናገለፅና እንቋዕ ደስ በለኩም ደስ በለና ንብል።
ውድብና ባይቶና ቃልሱ ኣበሪኹ ከምዝቕፅልን ብሄራዊ ቃልስና ብርኩ ሓፍ ንኽብል ከምዝሰርሕን እናገለፅና መላእ ህዝብና ንውድብና ኣድላይ ዘበለ ደገፍ ክገብርን ሓቢሩ ክቃለስን ፃዊዒትና ነቕርብ።
ጥሪ 22/2016 ኣ/ግ
መቐለ
