ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ተረኺቦም ድምፆም ዘስምዑ ተጋሩ ዲያስፓራ ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ኬንያን ክትግበር ሓቲቶም።
እቶም ተጋሩ ዲያስፓራ ሰልፈኛታት ሓይልታት ትግራይ ዋላእኳ ዕጥቆም እንተረከቡ ሓይልታት ፅንተት ከምኡውን ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ በቲ ውዕሊ መሰረት ካብ ትግራይ ኣይወፅኡን ክብሉ ድምፆም ኣስሚዖም።
ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረጋገፀሉ ይግባእ ክብሉ ዲያስፓራ ተጋሩ ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ተረኺቦም ድምፂ ህዝቦም ኣስሚዖም እዮም።
