ድኹም ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተስፋ ዘቑርፅ ምዃኑ ዎርልድ ፒስ ፋውንዴሽን ነቒፉ፡፡ ብሰንኪ ድኹም ኣፈፃፅማ እቲ ውዕል ህዝቢ ትግራይ ካብ ኲናት እንበር ካብ ሞት ኣይደሓነን ዝበሉ ፀሓፊ እቲ ሰነድ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፤ ንትግበራ እቲ 15 ኣዋርሕ ዘቑፀረ ሰነድ ኣወዓዓልቲ ኣካላት ሓላፍነት ክወስዱ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ገዛኣይ ውዕልን ብወታደራዊ ሓለፍቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ናይሮቢ ዝተኣትወ መተግበሪ ሰነድን፤ ተስፋ ዝወሃቦምን ዘላቒ ተፃብኦታት ደው ንምባል ህዝቢ ዘረጋግኡ ምንባሮም ዝገለፁ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፤ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ እዞም ዓንቀፃት ዘይምትግባሮም ግን ተስፋ ዘቑርፅ ከብሉ ገሊፀምዎ፡፡
ምምሕዳራዊ መሬት ትግራይ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ናብ ንቡር ክምልስ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ኣፅዋር ክወርድን ዳግመ ውህደት ተጋደልቲ ትግራይ ክፍፀምን፣ መሰጋገሪ ፍትሒ ክትግበር፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክጅመርን፤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ከም ዝፈረመ ዘማላኸቱ ዶክተር ሙሉጌታ፤ ብዘይካ ውሱናት ጉዳያት ዓበይቲ ነገራት ኣይተፈፀሙን ኢሎም፡፡
ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣካል ስምምዕነት ተፃብኦ ደው ምባል ምዃኑ ዘሕዝን እኳ እንተነበረ፤ ድሕሪ ስምምዕነት እውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምህላዉ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ጥሜትን ሞትን ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ እቶም ፀሓፊ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካሊእ ዓይነት መዋግኢ ኲናት ከይኸውን ስግኣቶም ኣንቢሮም፡፡
ብወገን ትግራይ ዝነበረ መንግስቲ ኣፍሪሱ ግዚያዊ ምምሕዳር ክምስርትን ከበድቲን ማእኸለዎትን ኣፅዋርን ክፈትሕን ዓለም ዝተዓዘቦን ቀዲሙ ዘተግበሮን እኳ እንተኾነ፤ ጎናጎኒ ምውራድ ኣፅዋር ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ ዝግበኦም ወረርቲ ብዘይምውፀኦም፤ መንግስቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪካን ንዝኣተውዎ መፅበዓ ኣጉዲሎም ኢሎም፡፡
ንስምምዕነት ስዒቡ ግልጋሎት ባንኪ፣ ቴሌኮምን መጓዓዝያን ምፍቃዶም ዝነኣዱ እኳ እንተኾኑ፤ ከሳብ ሕዚ ውሑስ ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝህብ ዘሎ መጓዓዝያ ኣየርን ብመስመር ዓፋር ዘሎ ምንገዲን ጥራይ ምዃኖም ዝጠቐሰ ሰነድ ዎርልድ ፒስ ፎውንዴሽን፤ ብቐሊሉ ክትግበር ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ እኳ ብስርዓት ክበፅሕ ኣይከኣለን ኢሉ፡፡
ብሕገመንግስቲ ኣካል ምምሕዳር ትግራይ ዝኾኑ ግዝኣታት ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣለዉ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ትካል ፌደራል ውክልና ስለ ዘይብሉ ብስሙ ዝውሰኑ ጉዳያት ኣይምልከትዎን ዝበሉ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፤ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ስደትን ምምዝባልን ኮይኑ ምህላዉ መርኣያ ጎደሎነት ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡፡
ኣብ ልዕሊ ግዝኣታት ትግራይ ሪፈረንደም ክካየድ ዝብል ዘረባ መንግስቲ ፌደራል፤ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ብጊዚያዊ ኮሚቴ ከም ምትካእ ዝቑፀረን ካሊእ ሓዊ ምስዋርን ምዃኑ ዘመላኸተ እቲ ፅሑፍ፤ ውዕል ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ዘይምትግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ስልቲ ኲናት ምኽፋት ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኦም ፡፡
