ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየትን ድርቅን ዘላቒ መፍትሒ ክናደየሉን ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብን ዓሊሙ ኣብ ለንደን ሰልፊ ዳያስፖራ ከምዝካየድ መኸተ ትግራይ ዓባይ ብሪታንያ (UK) ኣፍሊጡ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ፊት ኤምባሲ ለንደን ፅባሕ ዓርቢ ከምዝካየድ ዝሓበረ እቲ ኮሚቴ ኩሉ ትግራዋይ ኣብቲ ሰልፊ ክርከብን ድምፂ ህዝቡ ክኸውን ይግባእ ተበሂሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኩሉ ዳያስፖራ ንህዝቢ ትግራይ በቢዓቕሙ ክሕግዝን ንጉድኣት ኲናት ትግራይ ፉሉይ ቖላሕታ ክህቡን ኮሚቴ መኸተ ትግራይ ዩኬይ (UK) ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።
