Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዘምፀኦም ፀጋታት ፀንቒቕና ምጥቃም የድሊ-ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ

“ኣብ መኸተ ዘጥረናዮ ፅንዓትን ሓድነትን ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክነበርኾ ኢና!” ብዝብል ቴማ ብብርኪ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ሃዋህው ሰላም ናብ ዘተኣማምን ንምልዋጥን ዝተፈጠሩ ፀጋታት ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምቕያርን ኣገዳስነት እቲ ኮንፈረንስ ልዑም ምዃኑ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዘምፀኦም ፀጋታት ፀንቒቕና ብምጥቃም ዘለዉ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ፀገማትብቕልጠፍ ንምፍታሕ ሓበራዊ ርብርብ ከም ዝጠልብ እዉን ኣስሚረሙሉ።

ልኡኽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣነፂርና ቀልጢፍና ናብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ምእታው ዘኽእለና መድረኽ እዩ ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ፣ እዚ ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሕ ህዝባዊ ዋዕላ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ ጠለብ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ዝገበሩ ቡዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ ከምዝኽእሉ ብምግላፅ ሐዚ እዉን ትግራይ ካብቲ ዘላቶ ፀገም ንምዉፃእ መፍትሒኡ ቃልስን ቃልስን ጥራሕ ምዃኑ ገሊፆም።



ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *