Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ውሕመ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምምሕያሽ ንክገብር ተሓቲትቱ

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ብምዝታይ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምምሕያሽ ንክገብር ኢትዮጵያ ሓቲታ። 

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሎ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 78 መርሃ ግብሪ ዕለተ ዝኽሪ ውሕመ ተሳቲፎም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ኢትዮጵያ መስራቲት ሃገር ብምዃና መትከላት ቻርተር እቲ ትካል ትድግፍ ኢያ ኢሎም።

ኣብ ተመድ ድምፂ ኩለመዳይ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ውሕመን ኣፍሪካን ዘሎ ሽርክና፣ ምስ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *