Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዋዕላ ምኽክር ምድላው ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪእናተሳለጠ እዩ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ኢማጅን ዋን ደይን ዩኒሴፍን ብሓባር ዘዳለዉዎ ካብ ፌደራል ዝተወከሉ ኣጋይሽ፣ሓለፍቲ ቢሮታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ እዩ እቲ ዋዕላ እናተሳለጠ ዘሎ።

እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ምኽክር ምድላው ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ነቲ ዘለናሉ ዘመን ዝምጥን ትምህርቲ ንክውንኑ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብቲ ዋዕላ ተሓቢሩ እዩ።

9ይን 11ክፍልን ብብርኪ ሃገር ዝተዳለወ ሓዱሽ ፖሊስ ትምህርቲ መሰረት ብዝተቐረፀ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ናብ ትግበራ ተኣትዮ ዛጊድ ምምሃርን ምስትምሃርን ከምተጀመረ ዝፍለጥ ኾይኑ ፤ እቲ ሎሚ 19 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቐርቡን ኾይኑ ንክልተ መዓልቲ ከምዝፀንሕን ተፈሊጡ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *