ዋሽንግተን (ኤፒ) — ምምሕዳር ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኣረሜናዊ ግጭት ኩሎም ወገናት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝፈጸሙ ከምዝወሰነ ትማሊ ሶኑይ ኣፍሊጡ። እዚ ክያዶ ንፖሊሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ቅጽበታዊ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ክስታት ክኽሰስ ንዝቐርብ ጻውዒት ግን ክብደት ይህብ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ነዚ ቆራፅ ውሳነ ዝገለፁ፣ ድሒሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ምልሶ ኣብ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ተጋሩን ከምኡ እውን ግዳያት እቲ ግጭት ዝተራኸቡ ምኳኑ እዩ፡፡
ኮይኑ ግና ብዛዕባ ኣመለኻኽታ ኣሜሪካ ኣብ ተስፋታት ተሓታትነት ብዙሕ ኣይተዛረበን። እቲ ውሳነ ንኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ናይ ክልል ኣምሓራ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዝሽፍን እዩ። እቲ ውሳነ ኣብቲ ዝነበረ ግጭት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ሓይልታት ኣምሓራን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ “ሕግን ጭብጥታትን ብጥንቃቐ ድሕሪ ምግምጋም” ከም ዝወሰነ ገሊፆም። ኣባላት ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን “ቅትለት፣ ዓመጽን ካልእ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽን፣ ስደትን ሓዊሱ” ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም እዮም ይብሉ ኣይተ ብሊንከን። “ኣባላት ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ዓሌታዊ ምጽራይን ብሓይሊ ሰብ ናይ ምስግጋር ፈጺሞም ወንጀል ምፍጻሞም ገለጾም፡፡
