ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን 10 ኤጵስ ቆጶሳት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከም ዝሸዉም ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘገልግሉ ኤጲስ ቆጶሳት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፣ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ዞባ ደቡብ ትግራይ እንትኾኑ ኣብ ወፃኢ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣዉሮጳ፣ ኣወስትራሊያ፣ ካናዳን ማእኸላይ ምብራቕን ክሸዉም ወሲኑ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ተሸይሞም ዕላዊ ስረሖም ከም ዝጅምሩ ሓቢሩ ።
እቲ መንበረ ሰላማ ነዚ ውሳነ ዘመሓላለፈ ካብ 14 ክሳብ 15 ግንቦት 2015 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ኾይኑ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከብ ህዝብና ዝተማለአ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ብተደጋጋሚ በመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ እዩ እዚ ውሳነ ተመሓላሊፉ ዘሎ ክብል እውን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣመልኪቱ ዘሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ያሬድ ኣክሱም ናብ ብርኪ ኮሌጅ ንኽዓቢ ውሳነ ተመሓላሊፉ ከም ዘሎ እውን እቲ መንበረ ሰላማ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ዞባ ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣቡነ ዳያስቆሮስ ዘፍፅምዎ ዝነበሩ ሽርሒ ንህዝቢ ትግራይ ዝምጥን ብዘይምኳኑ ድሕሪ ሐዚ ብኣቡነ ድያስቆሮስ ዝፍለጥ ሃገረ ስብከት ኣብቲ ዞባ ከምዘየለ እውን መንበረ ሰላማ ካሳቲ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ ኣፍሊጡ ኣሎ።
