ብስም ጀጋኑ ሰማእታት ተሰይሙ ኣብ ትሸዓተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ እናተሳለጠ ዝፀንሐ ዓመታዊ ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዕለት ሎሚ 4 ለካቲት ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ ።
ኣብቲ ብብርኪ ዞባ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ኤቦ ብዕሊ ዝተጀመረ ዓመታዊ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ እዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እንኮ ካብ ድኽነት ከናግፈና ዝኽእል ስራሕ ምኻኑ ኣሚና ብሉዑል ወነ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ይግባእ ኢሎም።
ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም ዝተውሃበና ስራሕ ተዓፃፂፍና ብምስራሕ ሕርሻዊ ማእቶትና ንምድንፍዕ ኣብ ዝሕጉዝና ስራሕቲ ክንዋፈር ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ስራሕ ረኺብና ዘዘራረብናዮም ሓረስቶቶ እታ ጣብያ ድማ ካብቲ ዝበፀሐና ከቢድ ቁጠባውን ስነ ኣእምራዊን ሃሰያ ቀልጢፍና ንክንናገፍ ሓሲብና ኢና እዚ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናካይዶ ዘለና ድሕሪ ምባል ኣጠናኺሮም ከምዝቅፅልሉ ኣረጋጊፆም ።
እቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ስነ ሂወታዊ ትሕዝትኡ ንምጥንኻር ድማ ከምኒ ዕረ ቅንጭብን ዒቃን ዝበሉ ፀደቅቲ ተኽልታት ይትከልሉ ከምዘለው ተዓዚብና ኣለና።
እቲ ኣብ ትሸዓተ ካብ ፀላኢ ሓራ ዝኾና ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ን 20 መዓልታት ዝፀንሕ ኮይኑ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር።
