” ህውሓት ንዝገጠምዎ ፀገማት ብዘተን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝፍትሕ ውድብ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ !! “
ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር
ወይዘሮ ፈትለወርቅ ነዚ ዝበላ ሕዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝህብኦ ዘለዎ መግለፂ እዩ
ውዕሊ ፕሪቶርያ ማእኸል ብምግባር ህወሓት እቲ ውዕሊ ክትግበርን ውሑስ ሰላም ክረጋገፅን ሉኣላዊ ግዛኣት ትግራይ ክረጋገፅን ጠመተ ሂቡ ዝሰርሐሉ ዘሎ ዛዕባ እዩ ኢለን ።
ህወሓት ኣብ ዓለም ለኻውን ክባብያውን ጉዳያት ብሰፊሕ ከም ዝዘተየን ብኣውርኡ ድማ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይን ህዝባን ብዕምቆት ምዝታዩ ሓቢረን ።
ኣብ ትግራይን ህዝባን ዘጋዝጥሙ ዘለዉ ኩለምዳያዊ ፀገማት መንቀሊኦም ባዕላውን ግዳማውን ፀገማት ከምዝኾነን ብኣውርኡ ውድቀት መሪሕነት ዝፈጠሮ ከም ዝኾነ ኣብ ገምጋማት ኣነፂርና ኢና ኢለን ።
ህወሓት ንመድረኻዊ ልእኽቶ ክበቅዕ ፀገማቱ ከምዝነፀረን መፍትሕን ኣንፈትን ኣነፂሩ ዘካየዶም መድረኻቱ ምዝዛሙ ሓቢረን ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ክነስዕብ ኢና
