«መቐለ 30 ማዕልትታት»
11 ታሕሳስ 2017
ኣብ ምጥፍፋእ ዝተመስረተ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪካን ብዝኸፍአ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ጎዲኡዎ፤ ብእዋኑ መፍትሕታት እንተዘይተገይሩሉ ድማ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዝገደደ ክሕምስ ዝኽእል ሓደጋ እዩ፡፡
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ ንህዝቢ ኤርትራን ንኤርትራን ከም መትሐጃ ቆሪኑ ሒዙ፤ ሰብኣዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ስነልቦናውን ባህላውን ኩሉ ሃፍትታት ወለዶታት ኤርትራ ምእንተ ውልቀ ስልጣኑ ዘዕነወ ሓይሊ እዩ፡፡ እዙ ሓይሊ ንኹሎም ጎራብቱ ጠንቂ ሰላምን ምትሕብባርን ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ካብ ግበረ ራዕድን ትንኮያ ኵናትን ሓሊፉ፤ ምስ መሻርኽቱ ሓይልታት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ጀኖሳይድ ዘካየደ ገበነኛ እዩ፡፡ እዙ ሓይሊ እዙይ ብገበን ኵናት ንዓለምለኸ መጋብኣያ ክቐርብ ዝግብኦን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ንዝፈፀሞ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምፅናት ወለዶታት ኤርትራን እውን ክሕተት ዘለዎን ሓይሊ እዩ፡፡
እዙ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ፤ ጠንቂ ኤርትራን ጎራብታን ምዃኑ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ካብ ስልጣን እንተተኣልዩ እውን ኤርትራውያን ብሰነያ ብሓባር መንግስቲ መስሪቶም ከይቕፅሉ ዝገብር፤ ገዚፍ ውዲት ምክፍፋል ሰሪቱ ዝገድፍ ሓይሊ እዩ፡፡ እዙ ስርዓት ሐዚ ብሓይሊ ዓፊኑዎ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ፤ ብድሕሪ ውድቀት እዙ ሓይሊ፤ ስልጣን መን ዓተረ ብዝብል ኣብ ሞንጎ ኸባቢታትን ብሄራትን ኤርትራ ዝተመቓቐለ ዝኸፍአ ሕድሕድ ደም ምፍሳስ ከምርሕ ከም ዝኽእል እዩ፡፡
ስለዙይ ልሂቃንን ዓበይቲ ዓድን ኤርትራ፤ ካብ ብሐዚኡ ንሸርሒ እዙ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ ብግቡእ ኣስተብሂሎም፤ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብውነ ክሰርሑሉ ይግባእ፡፡ እንተዘየሎ ምስቱ ኣብ ኣምሓራ ዝግውድ ዘሎ ገዚፍ ዕጡቕ ሓይሊ ተሓዋዊሱ፣ ንዙ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ንትግራይን ኤርትራን ኣዐርዩ ክሕምስን ክሓስን ዝኽእል ማእኸል ራዕዲ ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል ገፊሕ እዩ፡፡
ካብ ካልኦት ህዝብታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪካን ብዝተፈለየ፤ እዞም ሰለስተ ትግራይ፣ ኤርትራን ኣምሓራን፤ ብዝተፋላለየ ማሕበረሰብኣዊ ምትእስሳራት ስጡም ምቅርራብ ዝነበሮም እዮም፡፡ ሐዚ እውን መሊኡ ዘይተበተኸ እንተኾነ እኳ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሚኢቲ ኣመታት ብፍላይ ኣብ ሽዋ ማእኸሎም ብዝገበሩ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ከም ጠንቂ ስልጣን እናተርኣዩ ምርሕሓቆምን ምቅሕሓሮምን ንክጋፋሕ ነዊሕ ርሕቐት ተኸይዱሉ እዩ፡፡ ንዙ ሸርሒ ገዛእቲ ኣብ ምቕፃል ድማ ብኢሳያስ ዝምራሕ ሓይሊ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግን ርኡይ ኣሉታዊ ግደ ተፃዊቶም እዮም፡፡
ሐዚ ብብልፅግና ኦሮሞ እናተመርሐ ንኹሎም ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ካልኦት መላፍንቶም ኣዋዲዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ወራር ፅንተት እውን መቐፀልታ እቱ ንወለዶታት እናተሰጋገረ ዝመፀ ሸርሒ ምድኻም ዓቕሚ እዙ ዞባ እዩ፡፡
ኩሎም ታሪኻዊ ሰነዳት ከም ዘረጋግፁዎ ድማ ብፍላይ ወሳኒ ዓቕሚ እዙ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ማእኸሉ ትግራይ እዩ፡፡
ንዙይ ንምርግጋፅ፤ ጥንታዊ ታሪኻዊ ሰነዳት ኣፅንሒና ሐዚ ኣብ’ዙ ወለዶ ንዝተሰነዱ ታሪኻዊ ፍፃመታት ብመርትዖ ንርአ፡፡
Ø ንደርጊ ንምውዳቕ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣማኢት ውድባት ተፈጢረን ብረት ኣልዒለን ነይረን፡፡ ቅድሚኡ ድማ ሓይልታት ኤርትራ ተጣይሸን ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ እናካየዳ ፀኒሐን እየን፡፡ ኢህኣፓን ኦነግን እውን ኣቐዲመን እየን ተፈጢረን፡፡ ደሓረ ኣብ ትግራይ ዝተቐፃፀለ ዳግማይ ወያነ እዩ ኩሎም ኣብ ልዕሊኡ ኵናት ኣዊጆምሉ ኩሎም እንትወድቁ፤ ንሻዕቢያ ካብ ናይ ሳሕል ዱፋዓት ኣውፂኡ ብኽልተ እግሩ ጠጠው ክብል ገይሩ፤ ንኣምሓራን ኦሮሞን እውን ማሪኹ ይኹን ኣእሚኑ ኣሰሊፉ ንደርጊ ኣብ ምውዳቕ፣ ኢትዮጵያ ሓራ ኣብ ምግባር፣ ኢሉ እውን ናፅነት ኤርትራ ክረጋገፅ ተራ መሪሕነት ዝተፃወተ፡፡
Ø ንድሕሪት ከይድና ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም መላእ ኣፍሪካ ናብ መግዛእቲ ባዕዳውያን ክትወድቕ፣ ንጥልያን ብሓርበኝነት ካብ ምምካት ሓሊፉ፣ ንውሽጣዊ መግዛእቲ እውን እምብለይ ኢሉ ብምውያን ንሓይልታት ኢትዮጵያ መኪቱ፣ እንግሊዝ ብሙሉእ ዓቕማ ዝዘመተትሉ ወያነ ህዝቢ ትግራይ ነይሩ፡፡ ሽዑ ኣፍሪካውያን ናብ መግዛእቲ ምውዳቖም ጥራሕ እንተይኾነ፤ እዛ ናይ ሎሚ ሓያል ሃገር እስራኤል እውን ኣይነበረትን፡፡
Ø ሐዚ ድማ እቶም ኣብ ዳግማይ ወያነ ሓራ ንኽወፁ ትግራይ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለትሎም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ምስካልኦት ባዕዳውያን ሓይልታት ተላፊኖም ዘካየዱዎ ወራር ፅንተት፤ ንውልቁ ተሰሊፉ ዝመከተ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡
እዘን ሰለስተ ታሪኻዊ ፍፃመታት ጥራሕ ብምርኣይ፤ ትግራይ ከም ብሄርን ሃገርን፤ ማእኸል ወሳኒ ዓቕሚ እዙ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝኾነት ምትንታን የኽእል፡፡ ካብዙይ ተበጊስና ኣሰላልፋ ሓይልታት እዙ ዞባ ኣግፊሕና ንርአዮ፡፡
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 29 ማዕልትታት» ክምለሰሉ
