Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ወረዳ ፃዕዳ እምባ: ምንባር እምነ ሰረት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጣብያ ማይ መገልታ

ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ማይ መገልታ ብበዓል ሃፍቲ ዶ/ር ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ብ50 ሚልዮን ብር 2ይ ብር ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ሎሚ 20 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም እምነ ሰረት ተነቢሩ፡፡

ሓላፊ ካቢኔ ሴክሪተርያት ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ብበዓል ሃፍቲ ዶ/ር ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ዝተገበረ ሰናይ ተግባር ብምምስጋን ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኩሉ እጃሙ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ብወገኖም ሓድነትና ብምጥንኻር ኣብ ኩለ መዳያዊ ልምዓት ብምስታፍ ፀገም ሕብረተሰብና ብምፍታሕን ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም፡፡

በዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ምእንተ ዓዶምን ህዝቦምን ክባር መስዋእቲ ዝኸፈሉ
ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ዕላማ ንምፍፃም ናብ ተግባር ብምእታው ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይንና ደገፍና ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም፡፡

ነበርቲን ተምሃሮን እቲ ከባቢ ብወገኖም ኣብ ከባቢኦም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዘይምህላው ተፀጊምም ምንባሮም ብምሕባር ብበዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ዝተነበረ እምነ ሰረት ኣመሰጊኖም፡፡

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ብ350 ሚልዮን ብር ኣብ 7 ዞባታት ትግራይ ቤት ትምርቲ ንምህናፅ ሰነድ ስምምዕነት ምፍራሞም ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *