Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኲናት ኒውክሌር ካብ ክሌማዊ ለውጢ ዝኸፍአ ኣይኮነን – ኣንቶኒ ብሊንከን

ኲናት ኒውክሌር ካብ ክሌማዊ ለውጢ ዝኸፍአ ኣይኮነን ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ትማሊ ኣብ መደብ ቴሌቪዥን 60 ደቒቕ ኣውስትራሊያ ቀሪቦም ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዓለም እናተርኣ ዝመፅአ ክሌማዊ ለውጢ ዝዓበየ ፈተና እናኾነ ምምፅኡ ገሊፆም፡፡

“ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ንህይወት ደቂ ሰባት ዝፈታተኑ ጎንፂታት ኣለዉ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ይኹን እምበር ክሌማዊ ለውጢ ስግኣት ህልውና ህዝቢ ዓለም ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ምድሪ ኣውሮፓ ኣብ ሓምለ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዝተመዘገበ እንትኸውን÷ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምልቃቕ ካርበን ንምንካይ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽውሰድ ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር፡፡

ቅድም ክብል ፍሉይ ልኡኽ ንብረት ኣየር ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ምልቃቕ ካርበን ንምንካይ ስርዓት ሕርሻ ዓለም ንክስተኻኸል ምሕታቶም ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *