
ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ዝጸንሑ ስደተኛታት ድሕሪ ኲናት ኣብ መዓስከራትን ኣብያተ ክርስትያንን ተዓቚቦም
ቅድሚ 9 ሰዓታት
ኣብ 2020 ብዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ተጋሩ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ብዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ንዝገደደ ጸገምን ስግኣትን ከምዝተቓልዑ ይገልጹ።
እቲ ውግእ ምስ ተባርዐ፡ ማእከል ዓውደ ኲናት ኣብ ዝኾና ዓበይቲ ከተማታት ካርቱምን ኡምዱርማንን ክነብሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፡ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ናብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ከምዝተሰደዱ ይሕብሩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ተጋሩ፡ ኣብ መዓስከራት ዝነበረ ሕጽረት መጽለልን ሕክምናን ከምዝተጋደደን፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ናብቲ መዓስከራት ከይልሕም ዝሰግኡ ገለ ስደተኛታት ድማ ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ እናኸፈሉ ናብ ኢትዮጵያ ይምለሱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ወይ ሕሜቲ ዝምራሕ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (ኣርኤስኤፍ) ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ኲናት እናኸፍአ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ዛጊድ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዜጋታት ሱዳን ግዳይ ስደትን ምምዝባልን ኮይኖም ኣለው።
ብሰንኪ እቲ ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዝነብሮ ዓበይቲ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓያሎ ሰላማውያን ከምዝቐዘፈን ትሕተ ቕርጺ ከምዘዕነወን ጸብጻባት ይገልጹ። ብፍላይ ሓይልታት ኣርኤስኤፍን ሓገዝቶም ሚልሻታት ዓረብን ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙ ይኽሰሱ ኣለው።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ደው ንምባል ብዞባዊ ጉጅለ ኢጋድን ካልኦት ኣካላትን ጻዕሪ ይግበር እኳ እንተሎ ነቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ናብ ጠረጴዛ ዘተ ከምጽኦም ኣይከኣለን።
‘ናብ ዓድና ምለሱና’
እቲ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ዓረፈ እቶም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝነብሩ ዘለው ተጋሩ፡ መንግስቲ ናብ ዓዶም ንክመልሶም ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም ነይሮም።
እንተኾነ መብዛሕተኦም እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ዝነበሩ ምዕራባዊ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ኣምሓራ ስለዘሎ ናብ ቦተኦም ክምለሱ ኣይከኣሉን።
መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ኣምሓሩ ዝርከብ ዘሎ ምዕራብን ከፋል ደቡብ ትግራይን ከረክቦም ይጽበዩ ከምዘለዉ ይሕብሩ።
መምህር ኣሉላ ገብረጅወርግስ፡ ብሕዳር 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ/ (ብ04 ሕዳር 2020 ብፈረንጂ)፡ ኲናት ትግራይ ምስተጀመረ ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ’ዩ ክነብረሉ ካብ ዝጸንሐ “ኣደባይ” ዝተባህለ ቦታ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ። ኣብቲ እዋን’ቲ ስድርኡ ናብ ማእከል ትግራይ ክሃድሙ እንከለው ንሱን ሰለስተ ኣሕዋቱን ግን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣምራኩባ ተዓቚቦም። ኣብታ ዝተዓቝቡላ ሃገር ውግእ ሓድሕድ ምስተወልዐ ከኣ ናብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝኣተዉ ይገልጽ።
“ ኣብ ሱዳን ዝነብር ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ይወጽእ’ዩ ዘሎ። ንሕና እውን ክትከዱ ኢኹም ንበሃል ኔርና፤ ኮይኑ ግን ኣፋፍኖት የለን። ክልተ ሰለስተ ግዜ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና ኔርና፤ መንግስቲ ግን ኣይሰምዓናን። እቲ ህዝቢ ኣብ ዓዱ ከይዱ ክመውት እዩ ዝደሊ። ብርግጽ ሕዚ እቲ ኩነታት ዝተረጋገአ ይመስል።”
ምስ ኲናት ሱዳን ተተሓሒዙ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝቐነሰ ዝገልጽ መምህር ኣሉላ፡ ብፍላይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣምራኩባ ከቢድ ናይ መጽለሊ ጸገም ከምዘሎ ይሕብር።
“ መጽለሊ ክነቕርበልኩም ኢና ኢሎምና ነይሮም። ግን ኣይተዋህበናን። ኣብዚ ከባቢ ከቢድ ዝናብ እዩ ዝወቅዕ ዘሎ። ባጀት ከምዝጸደቐ ነጊሮምና እዮም። ኮይኑ ግና ‘ብሰንኪ ኲናት መንገዲ ተዓጽዩ፤ ካብ ባንኪ ገንዘብ ክነውጽእ ኣይከኣልናን። ኩነታት ሱዳን ተረድኡልና’ እዮም ዝብሉና” ይብል።
ንጸጥታ ብዝምልከት ግን ብዘይካ ሻቕሎት ዘጋጠሞም ጸገም ከምዘየለን ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ሱዳን ምስቶም ስደተኛታት ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉን ይዛረብ።
“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስቲ ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ፡ ካብዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ፡ ነቲ ኣብ ክልተ ተቐርቂሩ ዘሎ ህዝብና ናብ ዓድና ክመልሱና ንደሊ” ብምባል ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘለዎም ሃንቀውታ ይገልጽ።
Source BBC.
