ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘውፅኦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ፀብፃብ ኣመልኪቱ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃበ መልሲ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ መንግስቲ ፌዴራል ብዝገበሮ ፃዕሪ ብስንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ተጋሩ ብብዝሓት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱን ሰብኣዊ ሓገዝ እውን እናቐረበሎም ከምዝኾነ ኣምሲሉ ፀብፃቡ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ሚልዮናት ተጋሩ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ኣብ ዝርከብሉ እዋን፤ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ እናበለ ቀትርን ለይትን ዋላ እንተሓተተ ብዛዕባ ናይዞም ወገናትና ምምላስ ብዝምልከት ጥር ትብል ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘይተገበረሉ ኩነታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ዝጎዶሎ ፀብፃብ ምውፅኡ፤ ብኣውርኡ ነቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ዝነበረ በደል ዘቐፅልን ብስቓይ ህዝቢ ትግራይ ምብጫው እንትኾን ኣብኡ እንተሎ ከዓ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዓሊሙ ኮነ ኢሉ ዘዳለዎ ቅጥፈት ስለዝኾነ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ።
መንግስቲ ፌዴራል ከምዚ ዝበሉ ሓላፍነት ዝጎዶሎም ፀብፃባት ኮነ ተባሂሉ ብመሓውራቱ እንትወፅእ ንከይዲ ሰላም ዝህውኽን ምትእምማን ዘጉድልን ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ስጉምቲ ወሲዱ ንክእርሞም ፃውዒትና ነቕርብ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
15 ጥቅምቲ 2016
መቐለ

