Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንዝበፅሐ መስካሕክሒ ገበን ትኹረት ክገብረሉ ይግባእ- ምትሕብባር ኣውሮፓ ንኣፍሪካ

ንጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ መስካሕክሒ ገበን፤ ልዑል ጠመተ ክግበረሉ ደብዳቤ ዝፀሓፋ ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮፓ ጠማቲት ኣፍሪካ ጁልያ ዳንከን-ካሰል ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልባ ምዃነን ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ደቂ ኣንስትዮን ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲን የካይዶ ንዘሎ መበል 68 ጉባኤ ኣመልኪተን መግለፂ ቅዋም ዝለኣኻ፤ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣተሓባባሪት ጉዳያት ኣፍሪካን ነበር ሚኒስተር ላይበርያ ጁልያ ዳንከን-ካሰል ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ፆታዊ ገበናት ህፁፅ ስጉምቲ ዝጠልቡ ምዃኖምን ልዑል ጠመተ ክግበረሎምን ፀዊዐን፡፡

“ዓወት ንቅልጡፍ ፆታዊ ማዕርነትን ምሕያል ፋይናንሳዊ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን” ብዝብል መሪሕ ቃል፤ ካብ 2 ክሳብ 13 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይካየድ ንዘሎ ኮንፈረንስ ኣመልኪተን ቅዋመን ዝገለፃ እተን ሓላፊት፤ ብፆታዊ ዓመፅ ዝተጎድኣ ደቂ ኣንስትዮ ህፁፅ ፍታሕ ከይሃብካ ዝዕወት ሽቶ ኣይህሉን ኢለን፡፡

ንክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፤ ሓይሊታት ፅንተት ንኣካላት ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝተጠቐምሉ ዘረጋገፃ ጁልያን ዳንከን፤ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ፆታዊ ባርነትን ብተመሓላለፍቲ ሕማማት ክጥቀዓ ኮነ ተባሂሉ ይስረሐሉ ምንባሩ ብመፅናዕቲ ከም ዝተረጋገፀ ኣፍሊጠን፡፡

ብደረጃ ዓለም ኲናት ዘስዓቦም ፆታዊ ዓመፃት ዝተለመዱ እኳ እንተኾኑ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ዝተዋደደን ቁፅሪ ህዝቢ ንምቕናስ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመን መጥቃዕቲ ምዃኑ፤ ብፍሉይ ክረአ ይግባእ ዝበለ መፅናዕታዊ ሰነድ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ቀዳምነት ክህበሉ ድማ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኮከብ ገብሩ፤ ፌልሰን ዓብዲ፣ ሎርድ ዴቪድ ኣልቶንን ኮሚቴ ተጣበቕቲ ዓለም ለኸ ዝምድናታት እንግሊዝን ክምኡ ድማ መራሕቲ ኢንስቲትዩት ቀርኒ ኣፍሪካን ዝፈረምሉ እቲ ናብ መበል 68 ዋዕላ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፅሓፈ ደብዳቤ፤ ብቲልበርግ ዩኒቨርስቲ ዝቐረበ መፅናዕቲ ከም መጣቐሲ ተጠቒምሉ እዩ፡፡

ምስ ኲናት ተዛሚዶም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ንምክልኻል ዝሕግዙ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ምጥንኻር ከምዘድሊ ዘማላኸተ እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ብቐዳምነት ክጥምቶን ንዝተፈፀሙ ገበናት ድማ ህፁፅ ግብረመልሲ ክህብን ፀዊዑ ኣሎ፡፡

ምስ ፆታዊ ዓመፅ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ስጉምቲ ንምውሳድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1325፣ 1888፣ 2106፣ 2467 ዝፍለጡ መምርሒታትን ስምምዕነታትን ምፅዳቑ ዘዘኻኸረ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሮሂንጋ፣ ኡይጉር፣ ያዚዲን ካልኦትን ዝተርኣየ ሸለልትነት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከይድገም ኣተሓሳሲቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *