Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኮሌጃት ንነበር ተዋጋእቲ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ክዋፈሩ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ – ጀ/ል ታደሰ ወረደ

ነበር ተዋጋእቲ ሞያዊ ክእለት ተላቢሶም ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀፅ ክሳተፉ ኣብ ምግባርኮሌጃት ሞያን ቴክኒክ ስልጠናን ልዑል ብፅሒት ከምዘለወን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዓውዲ ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ስራሕ ንምጅማር ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዝነበረ ጎንፂ ስራሕ ኣቋፀን ዝነበራ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኮሌጃት ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ቀልጢፈን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ይግባእ።

እተን ኮሌጃት÷ መናእሰይ ሞያዊ ክእለት ብምልባስ ፈጠርቲ ስራሕ ክኾኑ ናይ ምግባር ሓላፍነተን ክዋፅኣ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ዝተመለሱ ነበር ዕጡቓት ሞያዊ ክእለት ተላቢሶም ብሙሉእ ዓቕሞም ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ክሳተፉ ኣብ ምግባር ርኡይ ግደ ክዋፅኣ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ነበር ዕጡቓት ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ናብራ እንትኣትዉ ብሞያን ስልጠና ቴክኒክን ሰልጢኖም ናብ ስራሕ ንኸኣትዉ መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *