Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ክቡር መስዋእቶም ብዕሊ ዕላዊ ምግባር ዝጀመርናሉ ምኽንያት ዘመዝገብዎ ዓወት ዓቂብና ተወፋይነቶም ፅንዓቶምን ንምዝካር፣ ህያው ተግባራቶም ንምውራስን ሕድሮም ከምዘይንጠልም ቃል ንምእታውን እዩ- ዶ/ር ደብረፅዮን

👉 ሎሚ ንዝክሮም ስውኣት ሓርበኛታት ብረት ኣልዒሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይድ ንምምካት ኩነታት ኣገዲድዎም ህዝቦም ንምድሓን መስተክር ዝሰርሑ ጀጋኑ እዮም።

👉 ብሄራዊ ሓዘን ዝተኣወጀ ቃልስና ስለዝተዛዘመ ኣይኮነን። ሓራ ዘይወፀ፣ ናብ መረበቱ ዘይተመልሰ ህዝቢ ኣለና፤ ስውኣት ዝተቓለስሉ ዕላማ መሊኡ መዕለቢ ኣይረኸበ።

👉 ሓዘን ብዕሊ ንእውጀሉ ዘለና ምኽንያት ኣብ መላእ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ንስዋኣትና ዘለና ክብሪ ብሓደ ቃል ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክንገልፅ፣ ሃልሃልታ ኣይግዛእን በሃላይነት ብምቕፃል፣ ቃልን ሕድርን ስውኣትና ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕን ድልዋት ምዃና ንምግላፅን እዩ።

👉 ተጋደልቲ ሰለስተ ምዕራፍ ምርኩስ ሒዞም ደቆም ኣዕሲሎም፤ ተጋዲሎም መስዋእቲ ከፊሎም እዮም።

👉 ኩሎም ስውኣት ሓርበኛታት ሓደ ዝገብሮም ካብ ንባዕሎም ንትግራይን ንህላወ ህዝቢ ትግራይን ኣቐዲሞም መስዋእቲ ምኽፋሎም እዩ።

ኣቦወንበር ውድብና ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ዝሃቦ መግለፂ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *