ኣብ ሃገረ ጣልያን ናይ እትርከብ ክልል ላዝዮ ፕረዝደንት ፍራንሲስኮ ሮካ ሎሚ ረፋድ ኣብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ሃገረ ጣልያን ብፍላይ ድማ ክልል ላዝዮ ምስ ትግራይ ዘለዎ ርክባት ኣብ ዘጠናኽሩ ኩለመዳያዊ ምሕዝነት ኣመልኪቶም ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ዘትዮም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ዘጋጥምዎ ዘለው ማሕለኻታትን ፥ ኣብ ትግራይ ዝተኸየደ ወራር ስዒቡ ዝበፅሐ ፅንተትን ኩለመዳይ ዕንወት ፥ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ወራር ዝርከብ ህዝብን ዝተወረረ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ን ፥ ሕዚ’ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዳሳትን ተዓቑቦም ኣብ ዝኸፍኣ ፀገም ዝርከቡ ወገናትን ካልኦት ሰፋሕቲ ጉዳያት ዘትዮም ኣለው ።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንጉጅለ ሉኡክ ጣልያንን ከምዝገለፅሉ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቃት አምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፁ የግዳስ ሕዚውን ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ከምዘለው ብምብራህ እዞም ወረርቲ ሓይሊታት ብቅልጡፍ ንኽወፁ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ክገብር ፀዊዕም ።
ብሰንኪ ቅሉዕ ወራር መሰረተ ልምዓት ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ዓንዩ እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ፣ መብዛሕተኤን አብያተ ትምህርቲ ብተመዛበልቲ እየን መሊኤን ነዚ ኣብ ምቅላል ጣልያን ብፍላይ ድማ ክልል ላዝዮ ዝኽእልዎ ደገፎም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ተላቢዎም ።
ብወገን ጉጅለ ሉኡኽ እቲ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ተግባራዊ ንምግባር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም ።
ብፍላይ አብ ጥዕና ፣ሕርሻ ፣ ትምህርቲ ኮታስ ክልቲኤን ክልላት አብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ሓበራዊ ስምምዕ ከምዝከተሙ ሪፖርተርና ወልደምህረት ገዛኢ ፀብፂቡ ።





