ዜና ትግርኛ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ካብ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ~~~~~ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ብዙሓት ናይ ደገን ውሽጥን ፀላእቲ ሃለዋቱ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ፈተናታት እናብፅሕሉ ከም ህዝቢ ብዝተወደበ መንገዲ እናመከተ ህልውንኡ ዘውሓሰ ናይ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ እዩ፡፡ ቅድሚ 50 ዓመት 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም እውን እምቢ ንመግዛእቲ እምቢ ንጭቆና ብምባል ብውሑዳት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተጀመረ ዝተወደበ ቃልሲ ን17 ዓመታት መሪር ተጋድሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ ካብቲ ዝነበሮ ስርዓት ደርጊ ሓራ ብምውፃእህዝቡን ዓዱን ውሑስ ብምግባር ዘመን ተሳጋሪ ጅግንነት ፈፂሙ እዩ። February 17, 2025