Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ካልኦት ወገናትን ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝኣቱን ዝኣተወን ሓገዝ ግልፅን ፍትሓውን ብዝኾነ መንገዲ ናብ ተጠቀምቲ ንክበፅሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ

እዚ ዝተገለፀ ቅድም ክብል ካብ ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ናብቲ ብኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ዝመፀ ሓገዝ እኽሊ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብዝተኸፋፈለሉን ምጉዕዓዝ ኣብ ዝተጀመረሉን እዋን እዩ።

እቲ ሓገዝ እኽሊ ናብ ብርክት ዝበሉ ተመዛበልቲ ዘለውዎን ኣብ ዓብይ ፀገም ንዝርከቡን 7 ዓበይቲ ከተማታት ተሸንሺኑ ዝተልኣኸ ከምዝኾነ ኣብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ቅድመ መጠንቀቕታን ህፁፅ ግብረ መልስን ኣይተ ገ/ሄር ኣረጋዊ ኣረዲኦም።

እዚ ካብ ክልል ኦሮምያ ይኹን ካልኦት ለገስቲ ኣካላት ናብ ትግራይ ዝኣቱን ዝኣተወን ሓገዝ ግልፅን ፍትሓውን ብዝኾነ መንገዲ ናብ ተጠቀምቲ ክበፅሕ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወፁን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም፤ ነቲ ሓገዝ ክወስዱ ዝረኸብናዮም ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *