Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ካብ ወዳቢ ኮሚቴ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝተውሃበ መግለፂ

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ካብ ጥቅምቲ 17-18/2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ፡፡ ባይቶና ከም ውድብ ኣብ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ኣብ ባህሊ፤ ታሪኽ፤ ክብሪታት፤ መንነት፤ ስልጣነን ህዝብና ማእኸል ገይሩ እናተቓለሰ ዝመፀን፤ ሐዚ እውን ኣብ ምቅላስ ዝርከብን ኮይኑ እዞም መደባት ንምዕዋት ናይ ወሎዶና ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ ንቕድሚት ንምግስጋስ ዘኽእሎ ውድባዊ ጉባኤ ንምስላጥ ምድላዋቱ ወዲኡ ይርከብ፡፡
ኣብዙ ሀዚ ነካይዶ ዘለና ውድባዊ ጉባኤ ኩለመዳያዊ ውሽጣዊ ምትዕርራያት ብምግባር ውድባዊ ሓድነትን ፅሬትን ብምርግጋፅ ህዝብና ካብ ዝኣተዎ ዓዘቕቲ ንምውፃእ ርኡይ ግደ ክንፃወት ኢና፡፡

ብዙ ታሪኻዊ ዕለትን ኣጋጣምን ድማ ዕውት ጉባኤ ክኾነልና ሰናይ ትምኒትኩም ዝገለፅኩሙልናን ዝተፈላለዩ ሓገዝ ዝገበርኩሙልናን ኩሉኹም ልባዊ ምስግና ክነቕርበልኩም ንፈቱ፡፡

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)
ጥቅምቲ 16/2016 ዓ.ም
መቐለ – ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *