✔ ፖለቲካ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ብፖለቲካዊ መፍትሒ እምበር ብኻሊእ መንገዲ ንፈትሕ ኢና ንዝብሉ ሓይልታት ኣይንዕገሰን።
✔ ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላው ተባሂሉ ብደገፍ ኮነ ብተቋውሞ ንዝተወሰነ ግዘ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ ዝተኸልከለ እዩ
✔ ኣብ ዝግበር ጉባኤ ሓዊሱ ኮንፈረንስን ዓበይቲ በዓላት ዉሑስ ሰላም ብዝኾነ መንገዲ ክካየድ እኹል ምድላዉ ተገይሩ እዩ።
✔ ጉባኤ ምክያድ ስዒቡ ልዕሊ ፀጥታዊ ድሕንነትና ዝኸውን ነገር የጋጥም እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። እንድሕር ዘጋጥም ኮይኑ ስርዓት ናይ ምኽባር ስራሕ ክሰርሕ እዩ። ኣብ መላእ ትግራይ መንገዱን ጉባኤ ዝካየደሉ መቐለ ሓዊሱ ፀጥታ ናይ ምኽባር ዝተጠናኸረ ስራሕ ክሰርሕ እዩ።
✔ ብድጋፍ ይኹን ብተቓውሞ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሰልፊ ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ኣይፍቀድን።
✔ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ዘለዎ ኣካል ኣፈላላዩ ብሰላማውን ፖለቲካውን መንገዲ ጥራሕ ክፈትሕ ይግባእ።
✔ ናብ ኮንፈረንስታትን ካልኦት ምድላዋትን ካብ ወፃኢ ይኹን ካብ ውሽጢ ዓዲ ንዝመፁ ገያሹ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ናይ ፀጥታ ፀገም ከምዘይህሉ ነረጋግፅ።
✔ ድሕንነት በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ዝመፁ ኣጋይሽ ንምሕላው ይስራሕ ስለ ዘሎ ብዘይሰኸፈት ናብ ትግራይ መፅዮም እቲ በዓል ከኽብሩ ንፅውዕ።
✔ ኣብ ራያን ፀለምቲን ዝተራኣዩ ፀገማት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከይድገም ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።
✔ ኣብ ሓፂን መፂን ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ኣብ ዉራ መሬት ዘይሕጋዊ ዕደና መኣድን እዉን ተጠናኺሩ ክቅፅል እዩ ኢሎም።
ካብ መግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብኽፋል
05/12/2016 ዓ.ም
