ካብ ባንኪ ዓለምን መንግስትፌደራልን ብሓገዝ ዝተረኸባ ተሽከርከርቲ ንወረዳታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ተረኪበን ።
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንፕሮግራም ልምዓት ምንካይ ፅዕንቶ ስደተኛታት ዘገልግላ ተሽከርከርቲ ንወረዳታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣረኪቡ።
እተን ካብ ባንኪ ዓለምን ፌደራል መንግስትን ብሓገዝ ዝተረኸባ ብቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንወረዳታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝተረከባን ሸዱሽተ መኻይን ኣብተን ወረዳታት ንዝሳለጥ ፕሮግራም ልምዓት ምንካይ ፅዕንቶ ዝዉዕላ ምዃነን ድማ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ፣ ብሰንኪ ፅንተታዊ ወራር ኣብ ትግራይ ዝነበራ መኻይን ገሊአን ተጓሒለንን ዝተረፋ ከምዝተቓፀላ ኣዘኻኺሮም።
ሐዚ ብሓገዝ ዝተረኸባ መኻይን ዳግማይ ሕውየት ትግራይ ኣብ ምክያድን ዝስርሑ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥን ዝለዓለ እጃም ከምዝህልወን ብምሕባር ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ግና እኹላት ከምዘይኮናን ቀፃሊ ደገፍ ከምዘድልን ኣረዲኦም።
ኣብ ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓት ምንካይ ፅዕንቶ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ሃይለኪሮስ ሽሻይ ብወገኖም፣ እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ወራር ፅንተት ዝተጀመረ ከምዝኾነን ብሰንኪ ፅንተታዊ ወራር ተቋሪፁ ከምዝፀንሐን ድሕሪ ምሕባር ብሰንኪ እቲ ወራር 30 ሞተር ሳይክል ዝዓይነተን ተሽከርከርቲ ከምዝሰኣነ ገሊፆም።
ሐዚ እቲ ፕሮጀክት ዳግም ናብ ስራሕ ዋላ እኳ እንተተመልሰ ፀገም ተሽከርከርቲ ከምዝነበሮ ብምሕባር እተን ሐዚ ካብ ባንኪ ዓለምን ፌደራል መንግስትን ዝተረኸባ ሸሞንተ መኻይን ንሰለጤን ስራሕ ሓገዝቲ ምዃነን ኣረዲኦም።
በዚ መሰረት እተን ክልተ ንክልል፣ እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ መኻይን ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ንዝሳለጥ ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ክሕግዛ ንወረዳታት እቲ ዞባ ከምዝተዉሃባ ገሊፆም።
ፕሮግራም ልምዓት ምንካይ ፅዕንቶ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኮይኑ ፅዕንቶ ስደተኛታት ኣብ ዘለወን ከባቢታት ስራሕቲ ልምዓት ዘሳልጥ ፕሮግራም እዩ ክብል ጋዜጣ ወይን ፀብፂቡ ።
