ዝኸብርኩምን ዝኸብርክንን ፍቱዋት ተኸታተልቲ ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ እዛ ሚድያ እዚኣ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሚድያ እያ። ናይ ማንም ውድብ ኮነ ፖለቲካዊ ውዳበ ተለኣኣኺት ኣይኮነትን። ንዝኾነ ይኹን ውድብ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ብማዕርነት ነገልግልን ሽፋን ንህብን ሚድያ ምኳንና ኹሎም ውድባት ፖለቲካ ትግራይ መሰኻኽርና እዮም ኢልና ንኣምን ካብ ሐዚ ንደሓር እውን ሓይልና ኣጠናኺርና ተጠናኺርና እንቅፅለሉ ነገር እዩ።
ውድብ ናፅነት ትግራይ ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፣ ዓረና ፓርቲ ፣ ዓሲምባ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ፣ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፣ ዋዕላ ኣኽሱማዊ ፓርቲን ኣብ ዝፀውዑናን ዘይፀውዑናን ኩሉ ብምኻድ ንህዝብና ድምፂ ንምዃን ሽፋን ሂብና ኢና። ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት ትግራይ ፣ ውዳበታት ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝገብሩልና ናይ ሚድያ ሽፋን ፃውዒት ብኽብሪ ተቐቢልና ሓላፊነትና ንዋፃእ ኣለና ኢና። ኣብ ትግራይ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ዋዕላታት ካብ ኣዳራሽ ሓሊፎም ናብ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ክበፅሑ ዝኸኣልናዮ ንገብር ኣለና ኢና።
እዚ ኹሉ ንገብር ናይ ሚድያ ግቡእና ስለዝኾነን ከም ትግራዋይ ሚድያ ሓላፊነት ስለዘለና ጥራሕ እምበር ካብ ዝኾነ ይኹን ትካል ክፍሊት ስለዝፍፀመልና ወይ ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣካል ንምወል ስለዝኾንና ኣይኮነን ኮታስ ንህዝብና ንምግልጋል ካብ ዘለና ክቱር ድልየት እዩ።
ብዙሓት ውሽጣዊን ደጋዊን ፀገማት ተፃዊርና ዝገጥሙና ፈተናታትን ማሕለኻታትን ኹሉ ብትዕግስቲ ብምሕላፍ ህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ስለዘለዎ ተኸታተልትና እውን ካብ ኩሉ ወገን ዘሎ ሓሳብ ንክሰምዑ ንምግባር ንፅዕር ኢና። ኣብ ዝተረኸብናሉ ዋዕላ ይኹን ፍፃመ ዘሎ ምስሊ ብቪድዮ ብምስናድ ኣብ ዩትዩብ ቻናልና ፣ ኣብ ዘይተረኸብናሉ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ብምጥቃም ብፅሑፍ ኣብ ፌስቡክ ፔጅና ብዘይምንም ምፍልላይ ሽፋን ዜና ንህብ ኣለና ኢና።
እዚ ሓቂ ብኣና ዘይሕጎሱ ኣብ ገለ ሚድያታት እናወፁ እዉን ብግልፂ ብግዚያዊ ምምሕዳር ተመወልቲ እዮም ዝብል ስም ሚድያና ከጥፍኡን ከፀልሙን ንዝውዕሉ እዩ። እንተ ህዝቢ ትግራይ ግን ዳኛ እዩ እሞ ብፍላይ ኣብ ፌስቡክ ፔጅናን ኣብ ዩቱብ ቻናልናን ንጥቅዖም ዜናታት ይኹን እነቅርቦም ኣጋይሽ ምልስ ኢልካ ምርኣይ ይከኣል ስለዝኾነ ብዙሕ ክንዛረበሉ ኣይንደልን። ኣብቲ ፌስቡክ ፔጅና በቶም ዘፀልሙና ወገን ዘሎ ሽፋን ከይበዝሕ እምበር ኣይንእስን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ፍርዲ ንህዝቢ ገዲፍናዮ ኣለና።
ንሕና እውን ከም ሚድያ ሞያዊ ግቡእና ስለዝኾነን ጠጠው ዝበልናሉ ናይ ሚድያ ስነ-ምግባር ዕላማ እውን ስለዝኾነን ናብቲ ዝተዳለዉ መድረኻት ብምኻድ ናብ ዝኸኣልናዮ ብኣካል ተረኺብና ኣብ ዘይኽኣልናዮ ድማ ናይ ፅሑፍን ናይ ዜና ትንታነን ሽፋን ንህብ ኣለና።
ኮይኑ ግን ካብ ተኸታተልትና ተደጋጋሚ “ብወገን ህወሓት ዘለው መድረኻት ሚዛናዊ ብምዃን ሽፋን ኣይትህቡን ዘለኹም” ብምባል ወቐሳታት ይመፀና ኣሎ ሳይበር ፓወር ሚድያ ከም ሚድያ ንኹሉ ብማዕረን ንዘይ ኣፈላላይን ሽፋን ዝህብ ሚድያ ሙዃኑ ባዕሎም እቶም ኣዳሊኽሞም ብንበሃል ዘለና እዉን ዝምስክሩልና ሓቂ እዩ።
መብዛሕቲኡ ወቐሳ ካብ ፈተውትና ንሕና ክንዕርይ ምእንታን ዝወሃበና ተግሳፅ እንትኸውን ውስን ብዘይብሃል መጠን ድማ ገሊኡ ብዘይምፍላጥ ገሊኡ ድማ ኾነ ኢልካ ስም ሚድያና ንምፅላምን ብዝተዋደደ ብዝመስል መልክዑ “ሚዛናዊ ኣይኮንኩምን” ዝብል ክሲ ይቀርበልና ኣሎ።
ሎሚ ንህዝብና ክነፍልጥ ንደልዮ ዋና ነጥቢ ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ ብዛዕባ ህወሓት ዝምልከቱ መዓልታዊ ዝወፁ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣብ ዜና ሽፋና ተደጋጋሚ ፀብፂብና ኢና። ንቐፃሊ እውን ሞያዊ ግዴታና ብምዃኑ ሽፋን ክንህብ ኢና። ሕድ ሕድ ብህወሓት ዝተዳለው ይኹን ብግዚያዊ ምምሕዳር ዝዳለዉ መድረኻት ትካልና ብኣካል ብምርካብ ክህብ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ። ኣብ ዝተፀዋዕናሉ ‘ዉን ተሪፍና ኣይንፈልጥን ብሐዚ እውን ከምኡ ብዘምስልቻው ሽፋን ክንህብ ምዃንና ነፍልጥ።
እዚ ሚድያ ናይ ውልቀሰባት ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሚድያ እዩ። ብመሰረቱ እውን ሎሚ ዝተፈጥረ ሚድያ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ኣብ ዝተወለዐ ወራርን ግፍዒን እንትፍፀም ከም መቃለሲን ተጋሩ ድምፆም ንክስማዕ ብግዱሳት ዝተመስረተት እያ። ኣብ ትግራይ ኣለው ዝተብሃሉ ንፉዓትን ግዱሳትን ተንተንቲ ፖለቲካን ምሁራትን መፂኦም ድምፆም ዘስሞኡላን ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ዝነበሩን ዘለውን ሚድያ እውን እያ። ንቐፃሊ እውን ፅቡቕ ጎና ዓቒባ ጌጋታታ እናኣረመት ድምፂ ህዝባ ኮይና ክትቅፅል ተጠናኺራ ክትቅፅል እያ።
ስለዚ ዝኸበርኩም ተመልከትና ነዚ ተረዲእኹም እንሰርሖም ቪድዮታት ንሓደ ወገን ብዝረብሕ ዘይኮነስ ከም ሚድያ ዕድመ ናብ ዝተገበረልና ጥራሕ ዘይኮነስ ናብዘይተዓደምናዮ እውን ከይድና ንኩሉ ድምፂ ንምዃን ዝቐረፅናዮ እነመሓላልፍ ከም ዘለና ክትርድኡልና ደጊምና ንሓትት።
ብዝተፈላለየ መገዲ ሓሳብኩም ዘካፈልኩምና ፣ ማዕዳ ዝመዓድኩምና ፣ ክንዕረ ክንስተኻኸል ትመኽሩናን ትድግፉናን ኩልኩም ኽብሪ ኣለና ነመስግነኩም። ንመላእ ተኸታተልትና ድማ ብሓቂን ርትዒን ሚዛናዊ ኮይንና ክነገልግለኩም ቃል ንኣትው።
ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ
ነፃን ህዝባዊን ንህዝቢ ዘገልግል ድምፂ ህዝቢ ሚድያ!
ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት ዋሸንግተን ስያትል።
