Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሃድሙ ተመዛበልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ በጺሑ

ካብቲ ኣብ ሱዳን ስልጣን ቁርቁስ ዝወለዶ ግጭት ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ቁጽሪ ተመዛበልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

በብመዓልቱ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣመልኪቱ።

ኦቻ ብ27 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ዜጋታት ልዕሊ 12 ሽሕ ከም ዝበፅሐ ሓቢሩ።

ካብ ሱዳንን ብዞባ ምዕራብ ጎንደር- መተማ፡ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ኰይኖም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እውን ከም ከም ዝርከብዎም እቲ መግለጺ ይሕብር።

ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ሽሕን 113 ተመዛበልቲ ብመተማ ኣቢሎም ዝኣተዉ ክኸውን ከሎ ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም ኢትዮጵያውያን እዮም። እቶም ዝተረፉ ዜጋታት ሱዳን፡ ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ኣሜሪካ፣ ሶርያ፣ ጋናን ካልኦት ሃገራትን ከም ዝዀኑ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ካብቶም ብዶብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዙሓት ወጻእተኛታት ሕጋዊ ናይ ኢትዮጵያ ቪዛ ምስ ረኸቡ ናብ ሃገሮም ወይ ናብ ካልእ ቦታታት ይኸዱ ኣለዉ።

ገሊኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ ይመርጹ ከም ዘለዉ ኦቻ ሓቢሩ። ዜጋታት ኢትዮጵያ ከባቢኦም ይምለሱ ኣለዉ።

ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ኣብ ዶብ ብዙሓት ዜጋታት ከም ዘለዉን፡ መብዛሕትኦም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ንተመዛበልቲ መግቢ፡ ማይ፡ ህጹጽ መዕቆቢን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘድልዮም ሓቢሩ።

ኦቻ ኣብ ዶብ ከባቢ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ መሰረታዊ ግልጋሎት ንምሃብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ከበርክት ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ንዞባዊ ትልሚ ምላሽ ስደተኛታት 76.9 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓቲታ ኣላ።

ብዝሒ ብዶብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጥዕና ሓዊሱ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክብርኽ ምግባር እቲ ኵነታት ንከይጋደድ ዝከላኸል እዩ።

መሻርኽቲ ጥዕና ኣብ ዶባዊት ከተማ መተማ ዘካየድዎ ቅልጡፍ ገምጋም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ድሩትነት ከም ዘሎ ምርግጋጹ ኦቻ ጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እተን ትካላት ጥዕና፡ ሕጽረት መሰረታዊን ህይወት ዘድሕንን መድሓኒት ከም ዘለወን ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ከይተጋደደ ከሎ ህፁፅ ሓገዝ ምጥንኻር ኣድላዪ ምዃኑ’ውን ኣስሚሩ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ሓይልታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ ሓያል ውግእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 450 ሽሕ ነበርቲ ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

ልዕሊ 115 ሽሕ ካብኣቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝተሰደዱ ካብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።

ምንጪ፡ ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *