Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ካብ መደረ መኽፈቲ መድረኽ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ

ነቲ መድረኽ ብመልእኽቲ ዝኸፈቱ ፈፃሚ ስራሕ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ መጋቢ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ፣ እቲ ጉባኤ ካብ ዝኾነ ፓለቲካዊ ወገናውነት ነፃ ምዃኑ ዝሓበሩ እንትኾን ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ስራሕ ዝሰርሕ ሲቪኽ ማሕበረሰብ ምዃኑ ገሊፆም።

መጋቢ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ብተወሳኺ ፣ ውሽጣዊ ሓድነትና ብምሕላው ዲፕሎማሲና ካብ ውሽጢ ንደገ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ዕላማ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ኩለመዳያዊ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ እዩ ዝበሉ ቆሞስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራትን ኣመሓዳሪ ልደታ ማርያም መቐለን ኣባ ጡዑም በርሀ ፣ተሪር ብሄራዊ ውዳበ ከምዘድልየና ብምሕባር ሓድነት ፣ስምረት፣ምትእርራም ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ቆሞስ ኣባ ጡዑም በርሀ ናይ ሎሚ ክብርቲ ጋሻና ትግራይ እያ ብምባል ውፅኢታዊ ዘተ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ድሕሪ እቲ መኽፈቲ መደረ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ይቀርቡ ኣለው።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *