እቲ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ዘጋጠማ ፀገማትን ፈተናታትን ንምፅራይ እታ ውድብ ኣድሒንካ ንመድረኻዊ ተልእኽኣ ንምብቃዕ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክሳለጡ ፀኒሖም እዮም።
መቐፀልታ እቲ ገምጋማዊ መድረኽ ድማ ሎሚ ይካየድ ኣሎ፣ ወሃቢ ቃል ውድብ ህወሓት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ገምጋማዊ መድረኽ ንውድባዊ ጉባኤ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም።
እቲ ይካየድ ዘሎ መድረኽ ዝገጠማ ውሽጣዊ ፀገማት ብምልላይ ብምግምጋምን መፍትሒ ንምቕማጥ ዝዓለመ መድረኽ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ኣማኑኤል እቲ መድረኽ ዝተማለአ ውሳነ ንምክያድ ከምዝሕግዝ ድማ ተዛሪቦም።
ንከባቢ ኽልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ክካየድ ዝፀንሐ ገምጋም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገጠሞ ፀገም ንምውፃእ ዘኽእል ቑመና ንምፍጣር ምዃኑን እቲ ናይ ሕዚ ገምጋማዊ መድረኽ ድማ ናብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዘሰጋግር ምዃኑን እውን ኣይተ ኣማኑኤል ሓቢሮም።
ሎሚ ይካየድ ዘሎ ገምጋም ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ውድብ ዝሳተፍሉ ዘለዉ መድረኽ ከምዝኾነ ድማ ኣይተ ኣማኑኤል ገሊፆም።
ብ
