እቲ ዝወፀ ደንቢ ኣብያተ ምክሪ ወረዳታት ተጣናኺረንን ናይ መላእ ህዝቢ ተሳትፎ/ውክልና ብዘረጋግፅን ንምንቅስቅስ ብዘኽእለንን፣ ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ብዝቐርፍን ኹሉ ወገን ናብ ሓደ ኣረዳድኣ ብዘምፅእን መንገዲ ክሰርሓን ከምኡ’ውን ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዝራኸበሉ መሰርሕ ብዘጠናኽር ኣገባብ ንምፍፃምን ዘኽእል እዩ።
ንተፈፃምነት እዚ ደንቢ ከኣ ኩሉ ዝምለከቶ ኣካል ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ንክግበር ውን ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ከም ዝሰርሓሉን፣ ህዝቢ ኣብ ምምሕዳሩ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክፃወት ዘኽእሎን መንግስቲ ክህልዎ ዝግብርን እዩ ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
13 ጥሪ 2017 ዓ/ም
