Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 22 ሓምለ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፣ ዕስለ ኣንበጣ ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣሕሊፉ።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ መዋሰንታት ክልል ዓፋር ዝርከባ ወረዳታት ዕስለ ኣምበጣ ከም ዝተርኣየ ዝገምገመ እቲ ካቢኔ፣ ብካቢኔ ሴክሪታሪያት ስግግር ልምዓት ቁጠባ ዝምራሕን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዘካተተ ሓይሊ ዕማም(Task Force) ክጣየሽ ወሲኒ ኣሎ።

ብተዛማዲ ንስራሕ ዘድሊ ባጀት ክምደብ ኣንፈት ዘቐመጠ እቲ ካቢኔ፣ መናእሰይ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ሰራዊት ትግራይ፣ በቢደረጅኡ ዘሎ ሞያተኛ፣ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ትግራይ ከባቢኡ ብትኹረት ክከታተል፣ መንግስቲ በቢ እዋኑ ብዝህቦ ሓበሬታ መሰረት ድማ ድልዊ ክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
22 ሓምለ 2015 ዓ/ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *