ካልኣይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ደምቢታትን መምርሒታትን ኣመላልኣን ኣላቕቓን ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።
መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ተደራዳሪ ወገን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር)፥ እቲ ልዝብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ዝተበፅሐ መምርሒ መግለፂ መሰረት ብምግባር ብዓወት ድሕሪ ዝተዛዘመ ራብዓይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብምዃኑ ኣበዚ ዙር ዝግበር ዘተ እተን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ንኽበፅሓ ዘይተሓለለ ከምዝገብራ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ከይዲ ብዓወት ንኽዛዘም ኢትዮጵያ ከምቀደማ ብቖራፅነት ናይባዕላ ግደ ከምትፃወት ኣረጋጊፆም።
ሚኒስትር ማይን መስኖን ግብፂ ሓኒ ሴዊላም (ፕ/ር)ን ተጠባባቒ ሚኒስትር ማይ ሱዳን ዳውልበይት ኣብድልረህማን ማንሱር ባሽርን ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፥ ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዘለዎም ፅኑዕ ተስፋ ገሊፆም።
