ሎሚ 29 ግንቦት 2016 ዓ/ም ኣብ መቦቆል ስልጣነ ትግራይ ይሓ ዝተሳለጠ ካልኣይ ዋዕላ ጥንታዊ ከተማ ይሓ ኣዝዩ ዕውት ምንባሩ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ሓቢሮም ።
ዶክተር ኣፅበሃ ከምዝበልዎ እዚ ዋዕላ ናብ ተግባር ዘእቱ ኩሉ ንናይ ባዕሉ ግደ ዘነፀርን እዩ ኢሎም ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ግንቦት ፈላማይ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ተወለድትን ፈተውትን ልምዓት ጥንታዊት ከተማ ይሓን ከባቢኣን ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ፤ ጥንታዊት ከተማ ይሓን ኣብ ውሽጣ ዘለው ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎም ሓድግታትን ከመይ ይተዓቀቡ፥ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ክመይ ይሰጋገሩ ፥ ብቐፃሊ ብኸመይ ይልምዑን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምይይጥ ምስላጡ ይዝከር ።
ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ይሓ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝኸውን ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረን ዘሳተፈን ጭቡጥ ናብ ግብሪ ከእቱ ዝኽእል ግብራዊ ስራሕቲ ከምዝጥለብ ፤ ነዚ ድማ ኣብ መቦቖሉ ብዝካየድ ጭቡጥ ንጥፈት ይሓ ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ብምቕያር ኢሉ እውን ከም መንነት መኽበሪ ክንጥቀመሉ ይግባእ ዝብል ምርድድዳኣ ተበፂሑ እዩ ።
እንሆ ሎምዓንቲ ድማ ካልኣይ ዋዕላ ጥንታዊት ከተማ ይሓን ኣብ መቦቖል ቦታ ባህላዊ ቅርሲ ይሓ ተሳሊጡ ኣሎ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር እቲ ዋዕላ ኣዝዩ ዕውት ምንባሩ ሓቢሮም።
ኣብዚ ንካልኣይ ግዘ ዝተሳለጠ ፓነል ምይይጥ ይሓ ብቐንዱ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን መዳርግቲ ኣካላትን ንኹሉ ዝሓቁፍን ዝተዋደደን ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ቱሪዝም ከም መሳርሒ ምሕዋይ ክጭበጥ ኣብ ምግባር ነናቶም ተራ ንምፅዋት ፅኑዕ ተወፋይነት ኣርእዮም እዮም ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ኣረጋጊፆም ።
ይሓ 700 ዓመት ቅድሚ ልድተ ክርስቶሰ ከምዝትሃነፀ ይዝረብ።
