ካልኣይ ብርኪ ፕሮጀክት ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብ ሰገን ቁፅሪ ክልተ መሰተማይን ሳኒቴሽንን ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ዝተጀመረ ከምዝነበረ ኣብ ቢሮ ሃፍቲ ማይን መቐለ ቑፅሪ ክልተ ገረብ ሰገን መስተማይን ሳኒቴሽንን ፕሮጀክት መተሓባበሪ ኢንጅነር ደስታ ግደይ ገሊፆም።
ኢንጅነር ደስታ እቲ ፕሮጀክት በሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብ ሰገን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ድው ኢሉ ከምዝነበረ ኣፍሊጦም።
ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ፕሮጀክት ገረብ ሰገን መሰተ ማይን ሳኒቴሽንን ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝተረኸበ 10 ሚልየን ዶላር ልቓሕ፣ከምኡ እውን ቢሮ ማይሃፍትን ኢነርጅን ፣ምምሕዳር ከተማ መቐለን ቢሮ ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ፌደራል ብምትሕብባር ዝህነፅ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተገሊፁ ።
እዚ ፕሮጀክት ካብቲ ግድብ ብሓደ መስመስር ጥራሕ ዝመፅእ ዝነበረ ቀረብ ማይ መቐለ ካልኣይ መስመር ዝውሰኸሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
እቲ ፕሮጀክት ቅድሚ ኩናት 12 ሚኢታዊ ተወጊኑ ከምዝፀንሐ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ደስታ ግደይ ገሊፆም።
እቲ ህንፀት ዝሰርሑ ፀሜክስ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበርን ራይኮን ኮንስትራክሽን ኩባንያ እንትኾን ኣካያድ ስራሕ እቲ ትካል ዝኾኑ ኣይተ ብስራት በቲ ዝተትሓዘሉ ግዘ ንምዝዛም ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ማይ ትግራይ ድማ ናይቲ ፕሮጀክት ኣማኸሪ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ ኣሎ።
ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብሰገን ሰነ ስርዓት ሳይት ርክክብ ኣብቲ ግድብ ምስ ኮንትራክተራት ፀሜክስ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበርን ራይኮን ኮንስትራክሽን ኩባንያ ተኻይዱ ።
ህንፀትን ዝርገሐን ግድብ ገረብ ሰገን ቁፅሪ ክልተ መሰተማይን ሳኒቴሽንን ኣብ ውሽጢ 421 መዓልታት ህንፀቱ ክዛዝም ውዕሊ ምፍፃሙ ተገሊፁ።
