– ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ነዙይ ዝበሉ ዓርሰ ምርኮሳ እግሪ ምትካል ቴራ ፕሮጀክት ስትራተጂክ ትልሚ መድረኽ ብዕሊ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን እዩ።
ኣብ መኸተ ዓብይ ስራሕ ዝሰርሑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁፀሩ መናእሰይ ትግራይ ዕድል ሰራሕ ንምፍጣር ተበግሶ ብምውሳድ መድረኽ ምድላው ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ንኢዶም።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ማሕበራዊ፣ ፓለቲካዊ ፣ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ እውን ናይ ህልውና ሽግራት ካብ ናትና ዓቕሚ ንላዕሊ ከምዘይኮነ ድማ ገሊጾም።
ዘለና ጥሪት ሕዚና ናብ ውሽጥና እንተርኢና ሽግራትና ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለና እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ኣንጻር ተጋሩ ዝተገበረ ኩለ መዳይ ወፍሪ ናይ ካልኦት ሓገዝ ከይተጸበና ህልውናና ኣረጋጊጽና ኣብዚ በጺሕና ኢና ኢሎም።
ብምኻኑ ድማ ኩሉ ኣፈላላይትና ንጎኒ ገዲፍና ሓድነትና ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ መድረኽ ነዚ ንምፍጻም ዘኽእል ሓድነትን፣ ፓለቲካዊ ሃዋህውን ብምስትኽኻል ዓብይ ትርጉም ዘለዎ መድረኽ እዩ ኢሎም።
ሓላፊት ካብኔ ሴክረታረያት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህዞ ምርምርን ስልጠናን ዶ/ር ኣልጋነሽ ተሰማ ብወገነን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ትግራይ፣ ትግራይ ከይትንብርከኽ ዝገበሩ ኣብ ስላምን ልምዓትን ግን ዝግባኦም ለውጢ ኣይረኸቡን ኢለን።
ድሕሪ ኩናት ስፊሕ ስደት፣ ድኹም ቁጠባን መነባብሮን ህዝቢ ከምኡ እወን ንሰንሳትካ ዘይምርድዳእ ንዕዘብ ኣለና ዝበላ ዶ/ር ኣልጋነሽ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምህዞ መሰረት ዝገበረ ናይ ሃፍቲ ኣጠቓቕማ ትልሚ ክወጽእ ይግባእ ኢለን።
በቲ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ዓርሰ ምርኮሳ እግሪ ምትካል ቴራ ፕሮጀክት ስትራተጂክ ትልሚ 300,000 መናእሰይ( ተጋደልቲ ፣ ስድራ ተጋደልቲን ጉዱኣት ኣካላትን )እግሪ ንምትካል ካብኔ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምህዞን ምርምርን ስልጥናን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ምሁራን ተጋሩ፣ ዩኒቨርስታት፣ ምርምር ኣኢንስቲትዩትን 100 ፕሮጀክት ዲዛይነራት ብምኻን ካብ 400 ንላዕሊ ፕሮጀክት ሓሳባት ዝተዋህለለ እንትኸውን 300 ፕሮጀክት ብምምራጽ 30% ሙሉእ ቢዝነስ ትልሚ ከምዝተዳለወሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ መድረኽ ዓርሰ ምርኮሳ እግሪ ምትካል ቴራ ፕሮጀክት ስትራተጂክ ትልሚ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም እናተዘተየሎም እዩ።
ፈይሰል ሙስጠፋ
