ብዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብምክንያት ብዓል ልደት ንልዕሊ 3500 ወገናት እንግዶት ምሳሕ ዘካየዱ ኮይኖም አብቲ እዋን ዝተረከቡ ቆሞስ ካቴሊካዊት ቤተክርስቲያን ከተማ መቐለ አባ ጥዑም በርሀ ኩሉ ትግረዋይ እንተተሓጋጊዙ ዘይፍታሕ ፀገም የለን ኢሎም።
አብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ አብ ዝከፍኣ ኩነታት ዋላ ይሃሉ ሐዚ እውን ተስፋ ሰኒቅናን ተሓጋጊዝናን እዛ ፀገም ክንሰግራ ይግባእ ኢሎም።
ብዓል ልደት እንትነኽብር ምስዝተፀገሙ ወገናት ኮይንና ክነሕልፎ ይግባእ ዝበሉ ድማ ብዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ እንትኮኑ ኩሉ ትግረዋይን ፈታዊ ትግራይን ተሓጋጊዙ ህዝብና ካብቲ አጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ከድሕኖ ይግባእ ኢሎም። ብፍላይ ዝተመዛበሉን ግዳያት ድርቂ ዝኮኑ ወገናትና ቶሎ ኽንበፅሐሎም ይግባእ ኢሎም እቶም ብዓል ሃፍቲ።
