ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ፍፃመታት ኣተኣናጊዳ እያ።
ካብኣቶም እቲ ሓደ #ማሕበርልምዓትትግራይ ካብ FHI 360 ብዝረኸበቶ 14 ሚልየን ብር ሓገዝ ፕሮጀክት “ንጥፈታት ስርዓት ኣመጋግባ ማሕበረሰብ” ዕላዊ ዝገበረት እንትትኸውን፤ እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት ግደ ጉጅለ ልምዓትን መራሕቲ ጥዕና ቁሸትን ወሳኒ ብምዃኑ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ መነቓቕሒ መድረኽ ንምጥንኻር ጉጅለ ልምዓትን ምጥያሽ መራሕቲ ጥዕና ቁሸትን ኣሳሊጣ እያ ።
እቲ ካልእ ውፅኢት ምዝዛም #ማሕበርልምዓትትግራይ ምስ #ሎሚኖስፈንድ ብምሕብባር ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ንሓደ ዓመት ክሳለጥ ዝፀንሐ ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ እዩ ።እቲ #ብ15 ሚልዮን ብር ወፃኢ ክውሃብ ዝፀንሐ ፕሮጀክት ኣብ #ወረዳእንዳመኾኒ ኣብ 25 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝርከባ 30 ናቑጣታት ካብ 7 መስከረም 2016 ዓ/ም ኣትሒዙ 750 ዕድሚኦም ካብ 9 ክሳብ 14 ዝኾኑ ህፃናት ብቐጥታ ከምኡ’ውን ብተዘዋዋሪ 750 ኣብቲ ፕሮጀክት ናይ ዝተሓቖፉ ህፃናት ኣዴታትን ዘላቒ ተረባሕነተን ብዘረጋግፅ መልክዑ ክውሃብ ዝፀንሐ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ዓብዪ ፍፃመ ወርሒ ሓምለ ድማ ስነ ስርዓት ምረቓ 284 መበል 20ን ዙር ተምሃሮ 12 ክፍሊ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ እንትኸውን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ 2012 #ክሳብ 2014 ዓ/ም ክምረቑ ካብ ዝነበሮም 520 ተምሃሮ እቶም 390 ኣብዚ ዓመት ኣብ 3 ዙር ትምህርቶም ዝወድኡ ኾይኖም ኣብ 14 ሓምለ 2016 ዓ/ም ዝተመረቑ 160 ተምሃሮ ሓዊሱ ብድምር 138 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 284 መበል 20ን 21 ዙር ተምሃሮ 12 ክፍሊ ንምረቓ በቒዖም እዮም ።
ብምዃኑ ማልት ተጠቃምነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ተሳልጦም ኣብ ዘላ ዓበይቲ ውራያት ክታሞም ንምዕራፍ ናብ 6831 OK ዝብል ቃል ብምስዳድ ወይ በዞም ዝስዕቡ ቁፅርታት ሒሳብ ባንኪ ይሓግዙ!
ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!!
ባንክታት ኣንበሳን ወጋገንን፤ 1111
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፤1000015314579
ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ፤ 00310129057-64
ባንኪ ወጋገን፤ 0770075230101
