Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ክልተ ምግማዑ ስዒቡ እቲ ሓደ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ምክያዱ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ እዚ ዘይሕጋዊ ጉባኤ እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ሃደሽደሽ ኣቢሉ እናጥሓሰ ትግራይ ስርዓት ኣልቦ ክትኾንን ህዝብና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ክኣቱን ዓሊሙ እናተንቀሳቐሰ መፂኡ እዩ።

እዚ ሓይሊ እዚ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ እናዘረገ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ምንሻውን ምፅላምን ተፀሚዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሰራዊት ትግራይን እውን ዘይዛሪ ወፍሪ ፀለመን ጠቐነን ከፊቱ ቀትርን ለይትን ይሕምስ ኣሎ። ሓደ ግዜ “ሰራዊት ምሳና እዩ”፣ ካልእ እዋን ድማ “ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተረዳዲእና ኢና” እናበለ ህዝብና ንምድንጋር ይንቀሳቐስ ፀኒሑን ኣሎን።

ሕዚ ድማ እቲ ኣብ መድረኻት ዝገብሮ ዝነበረ ዘይንቡር ዕንደራን ፋሉልነትን ናብ ተግባር ንምስጋር ዘኽእሎ ዕላዊ ዕልዋ ከምዝገበረ ኣዊጁ ኣሎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓድነት ህዝብና ንዘይምዝራግ ኢሉ እናገበሮ ዝመፅአ ትዕግስቲ ከም ድኽመት ገይሩ ዝወሰደ እዚ ጉጅለ ካብ 27 መስከረም ጀሚሩ ስርዓት ኣልቦነት ንምስፋን ዘለዎ ክቱር ድሌት ብዕሊ ኣዊጁ ኣሎ።

እዚ ድማ መንግስትነት ከመይን ብምንታይ ኩነታትን ከምዝትሓዝ ተኸዊልዎ ዘይኮነስ ኣብ ትግራይ ህወከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ዓሊሙ ዝገብሮ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ከይዲ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብዝበፅሑሉ እዋን ነዚ ዕንደራ’ዙይ ምምራፁ ካብ ስልጣን ወፃኢ ክንደ ፍረጣፍ’ውን ብዝዓባ ባህግ ህዝብና ዘይግደስ ምኳኑ ግልፂ ኮይኑ’ሎ::

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ፋሉልነት ብትዕግስቲ ክሓልፎ ኣይክእልን። ቅድሚ ሕዚ ምእንተ ሓድነትና ከይዝረግ ኢልና ልቢ ኣዕቢና ዝሓለፍናዮም እዋናት እቲ ጉጅለ ከም ድኽመት ወሲዱ እናሰርሓሉ ምምፅኡ ኣብ ግምት ብምእታው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ እዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጅምር እዩ።

ኣብዚ ከይዲ ንዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ጥፍኣት ብሕታዊ ተሓታቲ እዚ ጉጅለን ኣመራርሓኡን ምዃኑ ድማ ንመላእ ህዝብና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንፈቱ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝግባእ ብምፍፃም መሰረታዊ ሕቶታትና ንምምላስ ዓቕምታቱ ወዲቡ ከምዝሰርሕን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝተጀመሩ ፃዕርታት ብምጥንኻር ስግኣት ህዝብና ዝተረድአ ኣወፋፍራ ከምዝገብርን እውን በዚ ኣጋጣሚ ክነረጋግፅ ንደሊ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
27 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *