Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ፈዴራል ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብቕልጡፍ ክእረም ንፅውዕ!

ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ወረዳታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምክላል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተፈፀመ ገበን ብዘጠናኽር መልክዑ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ኣሎ።

እዚ ቤት ዕዮ ዝወሰዶ ሓላፍነት ዝጎደሎ ስጉምቲ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ዝህውኽን ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ተግባሩ ብቕልጡፍ ክእርሞን ንህዝቢ ትግራይ እውን ብዕሊ ይቕሬታ ክሓትትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንፅውዕ።

መንግስቲ ፌዴራል እውን ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ጉቡእ ስጉምቲ ክወስድን እቲ ኮነ ተባሂሉ ብሚንስትሪታት ትምህርትን ሓለዋ ጥዕናን እናተፈፀመ ዝቕፅል ዘሎ ገበን ብህፁፅ ንክእርሞ ደጊምና ንፅውዕ!

ሰላም ንሕውየትን ፍትሕን!!

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
11 ሓምለ 2015ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *